ሓረስቶት ንኡስ ዞባ ኣስማጥ፡ ክራማት ቅድሚ ምእታዉ፡ ኣብ ምዕቃብ ሓመድን ማይን፡ ምምድማድ መሬት ሕርሻ፡ ኣብ ነቕሊን ቀዳማይ ማሕረስን ዘድሊ ምድላዋት ስለዘካየዱ፡ ዘራእቶም ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከምዘሎ ሓቢሮም።

ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ሕርሻ ኣብ‘ቲ ንኡስ ዞባ፡ ኣቶ ያሲን ዑስማን እውን፡ ካብ ወርሒ ግንቦት ክሳብ 23 ነሓሰ፡ ብጠቕላላ 284 ሚሊ-ሜተር ዝዓቐኑ ዝናብ ብምዝናቡ፡ 4730 ሄክታር መሸላ፡ 423 ሄክታር ብልቱግ፡ 713 ሄክታር ጥረታት፡ 6 ሄክታር ድማ፡ ናይ ቅብኢ ኣዝርእቲ ጽቡቕ ለሚዑ ከምዘሎ ገሊጹ።

ኣብ ከባቢታት ሃውሽ፡ እሮታ፡ ሸጋሊ፡ ኣስማጥ፡ እምበልዳይ፡ ሻካ-ወግረትን ኤራን፡ ገለ ዘራእቲ ኣብ ደረጃ ምውላድ፡ ገለ ድማ ኣብ ጉስያ ከምዝበጽሐ ዝሓበረ ኣቶ ያሲን፡ ሓረስቶት ዘራእቶም ክሳብ ዝእክቡ ጥቡቕ ምክትታል ክገብሩ ተላብዩ።

ሓረስቶት ምምሕዳራት ከባቢ ሻካወግሬትን እሮታን፡ ኣብ መጻኢ – ሚኒስትሪ ሕርሻ ምሩጽ ዘርኢ ብእዋኑ ክቕርበሎም፡ ንዝኾነ እንተታት ድማ ቀረብ መድሃኒት ጸረ-ባልዕ ክወሓሰሎም ሓቲቶም።

Categories