ኣብ ማይ-ሓባር፡ ጸረት፡ ደንጎሎ፡ ዓድሹማን ሑጺትን – ንኡስ ዞባ ጊንዳዕ፡ ብልዕሊ 15 ሚልዮን ናቕፋ ዝስራሓ ዘለዋ ንኣሽቱ ዲጋታት፡ ብድበት ንኸይመልኣ – ነበርቲ ማይ-ክዖታተን ክፍውሱን ንመከላኸሊ ዝኸውን መናድቕ ክሰርሑን፡ ኣመሓዳሪ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ብሪጋደር ጀነራል ተኽለ ልብሱ ኣዘኻኺሩ።

ኵነታት ናይ’ተን ዲጋታት ንምዕዛብ ዑደት ኣብ ዝገበረሉ’ሞ – ምስ ነበርቲ ኣብ ዝተመያየጠሉ ኣጋጣሚ፡ ብርጋዴር ጀነራል ተኽለ፡ ብሓያል ተወፋይነት መራሕቲ ናይ’ቲ ስራሕ ንዝሰላሰል ዘሎ ዕማም ድሕሪ ምምጓስ፡ ክራማት ባሕሪ ቅድሚ ምእታዉ ንምዝዛመን፡ ክኢላታትን ህዝብን ዝያዳ ክጽዕሩ ተላብዩ።

ካብ ጠቕላላ ህንጻዊ ስራሓተን፡ እቲ 50 ሚእታዊት ምትግባሩ ዝተዓዘበ ብሪጋደር ጀነራል ተኽለ፡ ዝተረፈ 50 ሚእታዊት ኣብ እዋኑ ንምዝዛም፡ ዘድሊ ቀረብ ንምምላእ፡ ምምሕዳር ዞባ ክተሓባበር ምዃኑ ኣረጋጊጹ። ንኣድማዕነት ስራሕ፡ ኮማዊ ወፈራታት ክድፋኣሉ እውን ኣዘኻኺሩ።

እዘን ዲጋታት እዚኣተን ምስ ተዛዘማ፡ ኣብ ንኡሳን ዞባታት ኣፍዓበትን ናቕፋን ከምኡ’ውን ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ደማስ፡ ብልዕሊ 21 ሚልዮን ናቕፋ 7 ንኣሽቱ ዲጋታት ንምስራሕ መደብ ከምዘሎ፡ ብሪጋደር ጀነራል ተኽለ ገሊጹ።

Categories