ውጽኢት ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና ማእከላይ ደረጃ ዓመተ-ትምህርቲ 2018/2019፡ ትማሊ 29 ነሓሰ ብወግዒ ተገሊጹ።

ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ሓላፊ ኣሃዱ ሃገራዊ መርመራ ኣቶ ሃብተ ኣስፋሃ ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት ፈተና፡ ኣብ መላእ ሃገር ኣብ ዝርከባ 412 ናይ ማእከላይ ደረጃ ኣብያተ-ትምህርቲ ካብ ዝተሳተፉ 51 ሽሕን 138 ተመሃሮ 8ይ ክፍሊ፡ እቶም 60 ሚእታዊት ከምዝሓለፉ ገሊጹ።

ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ክነጻጸር እንከሎ፡ መጠን ምሕላፍ ተመሃሮ ናይ 1.8 ሚእታዊት ዕብየት ከምዘመዝገበ ዝጠቐሰ ኣቶ ሃብተ፡ ዝለዓለ ነጥቢ ካብ ዘምጽኡ ተመሃሮ፡ ደቂ-ኣንስትዮ 56 ሚእታዊት ከምዘቚማ ገሊጹ።

ዓውድታት ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዝ፡ ማሕበራዊ ትምህርቲ፡ ቊጽሪ፡ ሓፈሻዊ ስነ-ፍልጠትን ናይ ዜግነት ትምህርትን ዘጠቓለለ ሃገራዊ መርመራ 8ይ ክፍሊ፡ ካብ 13 ክሳብ 15 ሰነ ኣብ መላእ ሃገር፡ ከምኡ’ውን ኣብ ሪያድን ጅዳን – ስዑዲ ዓረብ እዩ ተዋሂቡ።

Categories