ክቡር ቀዳማይ ሚኒስተር ሺንዞ ኣበ

ክቡራት መራሕቲ ሃገራትን መንግስታትን

ክቡራትን ክቡራንን ተጋባእቲ

ስለ’ቲ ዝካየድ ዘሎ 7ይ መጋባእያ ‘ቲካድ’፡ ንናይ መንግስቲ ጃፓን ዕቱብን ዘይሕለልን ተገዳስነት ንምምስራት ሽርክነት ምስ ኣፍሪቃ፡ ብስም መንግስቲ ኤርትራ ድገኛ (sincere) ምስጋና ከቕርብ ይፈቐደለይ።

ኣብ ውሽጢ’ዚ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ‘ቲካድ’ ካብ ዝተበገሰሉ፡ ብዓለም ደረጃ – ኣብ ኣመሪካታት፡ ኤውሮጳ፡ ኤስያ. . .ዝተኸስተ ለውጢታት ደርማስ’ዩ። እንኮ-ቐጽራዊ ዓለም ንምፍጣር ወይ በንጻር ታሪኻዊ መጐት ክውን ንምግባር ዝተሃቀነ ኩሉ፡ ኣይተዓወተን። ቁጠባውን ልምዓታውን ዕብየታት ዝተፈላለያ ጐብለላት፡ ብዝተፈላለየ ናህሪ ሰጒሞም፡ ኣሰራርዓ ደረጃታት ተገላቢጡ። ብመንጽር’ቲ ምግልባጣት፡ ኣብ ዝተፈላለየ ክፍልታት ዓለምና ዝርአ ዘሎ ኩሉ ዓይነት ምሕቋናት፡ ኣስተብህሎ ዝሓትት’ዩ።

ኣብ ውሽጢ ከም’ዚ ዝበለ ድሕረ-ባይታ፡ ኣፍሪቃ ኣበይ ኣላ? ኣፍሪቃ፡ 60% ዓለማዊ ጸጋታት (endowments) ትውንን’ያ ትበሃል። እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን ሓቂ ግን፡ ብኹሉ መለክዒታት ካብ ኩለን ክፍለ-ዓለማት ዝተዋሰነት’ያ። ኣፍሪቃ፡ ናይ ቅልውላዋት፡ ናይ ጥምየት፡ ናይ ልማኖ፡ ናይ ስደት፡ ናይ ሕማማት፡ ናይ መከራ. . . መመሰሊ ኢያ።

ድሕሪ ምኽታም መግዛእቲ፡ ንሓርነትን ናጽነትን ህዝቢታት ኣፍሪቃ ዝተቓለሱ “መስረትቲ ኣቦታት”/“founding fathers”፡ ተስፋ ዝህብ ቀስቃሲ (inspiring) ጉዕዞ ጀሚሮም ነይሮም’ዮም። ባህጎምን ትምኒቶምን ግን በኒኑ’ዩ ተሪፉ። ኣብ’ዚ ዝሓለፈ 60 ዓመታት፡ ናይ ዕብለላን ምግባትን ሓይሊታት፡ ኣፍሪቃ ንምውሳንን (marginalize) ሃብታ ንምዝማትን ዘይፈተንዎ ሸርሒ’ኳ ‘ተዘየለ፡ ቅድሚን ልዕሊ ኩሉን ዝሕመዩ ኣፍሪቃውያን ባዕሎም’ዮም። ኣፍሪቃውያን ነቲ ሽግር ባዕሎም ፍታሕ ‘ተዘይረኺቦምሉ ኸኣ፡ ብምጽወታን ፈቐዶ መጋባእያታትን ድግሳትን ኰለል ብምባልን፡ ብዘይካ ድርብ ክሳራ ዝረኽብዎ ፋይዳ ኣይኪህሉን’ዩ።

ህዝቢ ጃፓን፡ 150 ሚልዮን ዘይከውን፡ ብዘይገዚፍ ባህርያዊ ትዕድልቲ፡ ካብ ሓሙዅሽቲ ወጺኡ፡ ነብሱ ሃኒጹ – ቅድም ተሰሪዑ’ዩ። ካብ ታሪኽ ዕብየት ህዝቢ ጃፓን ብዙሕ ትምህርቲ ኪቕሰም ይኽእል’ዩ። ኣብ መንጎ ጃፓንን ህዝቢታት ኣፍሪቃን ሓቀኛ ሽርክነት ናይ ምምስራት ዘሎ ዕድል’ውን ኣዝዩ ገፊሕ’ዩ። ዕዉትን ዘላቒን (sustainable) ሽርክነት ንምንዳቕ ግን፡ ብቑዕ ምውዳድ (setting) ይሓትት። ‘ቲካድ’ ከም ናይ ጽቡቕ-ድልየት ተበግሶ ጃፓን፡ ብኸም’ዚ ኪጐዓዞ ዝጸንሐ ኪቕጽል፡ ብዙሕ ትስፉው ስለዘይኰነ፡ ምስ ናይ’ዚ ዝሓለፈ ርብዒ ዘመን ዓለማዊ ምዕባለታትን መጻኢ ኣንፈታቱን (trends) ብውድዓውነት ተገምጊሙ፡ ንሓቀኛን ዘድምዕን ሽርክነት፡ ሓድሽ መርሓ-ጐደና ኪቕይስ እዋናዊን ግቡእን’ዩ። እዚ ናይ ሎሚ ኣጋጣሚ፡ ነቲ ሓሳብ ክድህስሶ ኸኣ እላቦ።

ምስ ኣኽብሮት

28 ነሓሰ 2019 – ዮኮሃማ

Categories