ኣብ ንኡስ ዞባ ኣፍዓበት፡ ጥዕና ጥሪት ንምውሓስ – ዕዉት ወፍሪ ክታበት ተኻዪዱ።

በቲ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ናይ’ቲ ንኡስ ዞባ ዝተኻየደ ወፍሪ፡ ኣስታት 7 ሽሕ ጤለበጊዕን ከብትን መጽዓኛን ከምእተኸትባ፡ ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪ ሕርሻ ኣቶ ሓጐስ ገብረትንሳኤ ሓቢሩ።

ሓኪም እንስሳ መንእሰይ ማሕሙድ ዓብደላ ብወገኑ፡ እቲ ሞያውያን ናብ’ቲ ጥሪት ዝርከባኦ ቦታታት ብምልኣኽ ዝተኻየደ ወፍሪ፡ ሳላ ምትሕብባር ህዝቢ ኣድማዒ ከምዝነበረ ገሊጹ።

Categories