ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ትማሊ 31 ነሓሰ ኣብ ሰዓታት ንግሆ፡ ንፕረዚደንት ኮንፈደረሽን ኲዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ – ‘ካፍ’ ሚስተር ኣሕመድ ኣሕመድ ኣብ ዓዲሃሎ ኣብ ዝርከብ ቤት-ጽሕፈቱ ተቐቢሉ ኣዘራሪብዎ።
ኣብ’ቲ ኮሚሽነር ባህልን ስፖርትን ኣምባሳደር ዘመደ ተኽለን፡ ፕረዚደንት ሃገራዊ ፈደረሽን ኲዕሶ እግሪ ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣብርሃምን፡ ዝተረኽቡሉ ኣጋጣሚ፡ ሚስተር ኣሕመድ፡ ኣስመራ ዘአንገደቶ ብዓይነቱ ናይ ፈለማ ግጥማት ኲዕሶ እግሪ ማእከላይን ምብራቕን ኣፍሪቃ ትሕቲ 15 ዓመት፡ ብጽፈት ምክያዱ፡ መርኣያ ናይ’ቲ መንግስትን ህዝብን ኤርትራ ኣብ ስፖርት ብሓፈሻ ኣብ ኲዕሶ እግሪ ድማ ብፍላይ ዘለዎም ጽኑዕ መብጽዓ ከምዝኾነ ብምጥቃስ፡ ንዕብየት ኲዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ እወታዊ ኣበርክቶ ከምዝህልዎ ገሊጹ።
ኣብ ኣፍሪቃ፡ ስፖርታዊ ውድድራት ከተካይድ፡ ግድን ናይ ፖለቲከኛታት ፍቓድን ሰናይ ድሌትን ከምዘድሊ ዝጠቐሰ ሚስተር ኣሕመድ፡ ኣብ ኤርትራ ዝረይዎ ግን ካብ’ዚ ፍልይ ዝበለ ምዃኑ ድሕሪ ምሕባር፡ “መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ ስፖርት ዘለዎ ናጻን ርትዓውን ኣካይዳ ክንግንዘብ ክኢልና ኣሎና።” ክብል፡ እዚ መርገጺ’ዚ ንምዕባለ ስፖርት ብሓፈሻ ነቲ ሃገራዊ ፈደረሽን ኲዕሶ እግሪ ኤርትራ ኣብ ንኣሽቱ ዝገብሮ ዘሎ ወፍሪ ድማ ብፍላይ ዓቢ ደገፍ ከምዝኾነ ኣብሪሁ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብወገኑ፡ “ስፖርት ምትብባዕን ንዓኡ ዘድሊ ትሕተ-ቅርጺ ምውዳድን፡ ግዴታ መንግስትን መሰል ህዝብን’ዩ” ብምባል፡ እምነት ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ንሱ ከምዝኾነ ኣስሚሩሉ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣስዒቡ፡ ኣብ ህጻናትን መንእሰያትን ዘተኰረ፡ ንምዕባለ ዝዓለመ መደብ ግብራዊ ንክኸውን፡ መንግስቲ ኤርትራ ወትሩ ድልው ምዃኑ ብምርግጋጽ፡ ኣድላዪ ዘበለ ደገፍ ከምዝገብር ኣነጺሩ።
ኣብ’ቲ ርክብ፡ ፕረዚደንት ኮንፈደረሽን ኲዕሶ እግሪ ማእከላይን ምብራቕን ኣፍሪቃ ዶክተር ሙዕተስም ጃዕፈር፡ ፕረዚደንት ፈደረሽን ኲዕሶ እግሪ ሶማልያን ምክትል ፕረዚደንት ሴካፋን ኣሰይድ ዓብደልቓኒ ኣራብሰይድ፡ ከምኡ’ውን ፕረዚደንት ፈደረሽን ኲዕሶ እግሪ ታንዛንያ ሚስተር ዋላሰ ኬርያ ተሳቲፎም ነይሮም።