ኣብ ንኡስ ዞባ ኣስማጥ ዝተኻየደ መደብ ምጥርናፍ ዓድታት፡ ውጽኢታውነቱ እናጐልሐ ብምምጽኡ፡ ዝተረፋ ከባቢታት ንምጥርናፍ ብዝሰፍሐ ክስራሕ ምዃኑ፡ ካብ ምምሕዳር’ቲ ንኡስ ዞባ ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

ነበርቲ 8 ምምሕዳራት ከባቢ፡ ምስ ኣመሓዳሪ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ዑስማን ኣደም ኣብ ዝገበሩዎ ርክብ፡ ምጥርናፍ ዓድታት ብግቡእ ሳላ ዝተሰላሰለ፡ 6 ምምሕዳራት ከባቢ – ኣገልግሎታት ማይ፡ ትምህርትን ጥዕናን ተዋዲዱለን ርጉእ መነባብሮ ይመርሓ ከምዘለዋ ብምሕባር፡ መደብ ምጥርናፍ ምምሕዳራት ከባቢ ኣክዋርን ሻካ-ወግሬትን ክቀላጠፍ ሓቲቶም።

ንሳቶም ወሲኾም፡ ኣብ ምምሕዳራት ከባቢ እሮታ፡ ሸጋሊን ኣስነዳን ዘጋጥም ዘሎ ዋሕዲ ዝስተ ጽሩይ ማይ ፍታሕ ክናደየሉ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ከባቢታት ሃውሽ፡ እምበልዳይን ሸጋሊን ካብ ስራሕ ወጻኢ ዝኾነ መመንጨዊ ጸሓያዊ ጸዓት ክዕረ ተላብዮም።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ኣስማጥ ኣቶ ዑስማን ኣደም ብግደኡ፡ ነበርቲ – ጥብ ዝበለት ማይ ንምዕቃብ ንዘካይዱዎ ዘለዉ ውጽኢታዊ ስራሕ ብምምጓስ፡ ካብ ዓቕሚ ነበርቲ ንላዕሊ ዝኾነ መስመር ኤራ – እሮታ፡ ብማሽነሪ ዝተደገፈ ስራሕ ክካየደሉ ምእንቲ፡ ይሕተተሉ ከምዘሎ ሓቢሩ።

ምምሕዳር ንኡስ ዞባ ኣስማጥ ብዝወሰዶ ስጉምቲ፡ ኣስታት 4500 ስድራቤታት ዝቕመጣአን ልዕሊ 21 ዓድታት ኣብ ከባቢታት ኣስማጥ፡ ሸጋሊ፡ ሃውሽ፡ ኣስነዳ፡ እምበልዳይን ጃኒን ከምእተጠርነፋ፡ ከባቢታት ሻካ-ወግሬት፡ ኤራን ገለ ዓድታት ምምሕዳራት ከባቢ ሃውሽን ሸጋሊን ግና – መስርሕ ምጥርናፈን ዛጊት ከምዘይተጀመረ፡ ሰነዳት ምምሕዳር ናይ’ቲ ንኡስ ዞባ የረድኡ።

Categories