ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፡ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብን ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ጃፓን ኣቶ እስቲፋኖስ ኣፈወርቂን ዝቘመ ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ፡ ትማሊ 28 ነሓሰ፡ ኣብ ዮኮሃማ – ጃፓን ኣብ ዝተኸፍተ 7ይ ኣህጉራዊ መጋባእያ ቶክዮ ንልምዓት ኣፍሪቃ-‘ቲካድ’፡ መልእኽቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣቕሪቡ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ መልእኽቱ፡ ናይ መንግስቲ ጃፓን ዕቱብን ዘይሕለልን ተገዳስነት ንምምስራት ሽርክነት ምስ ኣፍሪቃ – ብስም መንግስቲ ኤርትራ ምስጋና ድሕሪ ምቕራብ፡ ‘ቲካድ’ ካብ ዝብገስ – ኣብ ውሽጢ’ዚ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ብዓለም ደረጃ ዝተኸስተ ለውጥታት ደርማስ ምዃኑ፡ እንኮ-ቐጽራዊ ዓለም ክውን ንምግባር ዝተሃቀነ ኩሉ ፈተነታት ከምዘይተዓወተ፡ ቁጠባውን ልምዓታውን ዕብየት ጐብለላት ብዝተፈላለየ ናህሪ ብምስጓሞም – ኣሰራርዓ ደረጃታት ከምእተገላበጠ ኣረዲኡ። ብመንጽር’ቲ ምግልባጣት ኣብ ዝተፈላለየ ክፍልታት ዓለምና ዝርአ ዘሎ ኩሉ ዓይነት ምሕቋናት፡ ኣስተብህሎ ዝሓትት ምዃኑ ድማ ኣገንዚቡ።

(ምሉእ ትሕዝቶ መልእኽቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ሳጹን ረአ)

ቀዳማይ ሚኒስተር ጃፓን ሺንዞ ኣበ ኣብ ዘስመዖ መኽፈቲ መደረ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን ብምምጓስ፡ ኣብ ምድንፋዕ ዞባዊ ሰላምን ምዕባለን ዓቢ ኣስተዋጽኦ ከምዝገበረ ገሊጹ።

ሻብዓይ ኣህጉራዊ መጋባእያ ቶክዮ ንልምዓት ኣፍሪቃ -‘ቲካድ’፡ ክሳብ 30 ነሓሰ ክቕጽል እዩ።

 

Categories