ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝነብሩ ኤርትራውያን፡ ንስድራ ስዉኣት ዝውዕል 5,600 ዩሮን 3,300 ዶላርን ደገፍ ገይሮም።

ብመሰረት ሓበሬታ ሚኒስትሪ ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን፡ ኣብ ጀርመን – ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን ኣብ ከተማ ማንሃይምን ከባቢኣን፡ 3 ስድራ ስዉኣት ንምንባይ 2 ሽሕ ዩሮ፣ ኤርትራውያን ነበርቲ ካስልን ከባቢኣን 1,400 ዩሮ፣ ማሕበረኮም ኤርትራውያን ጽንዓት ከተማ ፎርስሃይምን ከባቢኣን 1 ሽሕ ዩሮ፡ ንመሰሰኒ ማዕከን ሕድሪ ሰማእታት ኣበርኪቶም።

ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ ስዊዘርላንድ ዝነብር ዜጋ 2 ስድራ-ቤት ስዉኣት ንምንባይ 1,200 ዩሮ ከበርክት እንከሎ፡ ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን ነበርቲ በይሩትሊባኖስ፡ ንመሰሰኒ ማዕከን ሕድሪ ሰማእታት 3,300 ዶላር ወፍዮም።

Categories