ኣብ ዞባ ደቡብ፡ ዝባደመ መሬት ናብ ንቡር ንምምላስ ብዝካየድ ዘሎ ንጥፈታት ምግራብ፡ ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ ልዕሊ 832 ሽሕ ፈልሲታት ኣግራብ ከምእተተኽለ፡ ጨንፈር በዓል-ስልጣን ኣግራብን እንስሳ ዘገዳምን ሓቢሩ።

ኣብቲ ጨንፈር ክኢላ ምግራብ – መንእሰይ ዑቕባሚካኤል ሰለሙን፡ እቲ 432,439 ብውልቀ ገረብቲ፣ 236,800 ብኮም፣ 79,572 ብወፍሪ ተመሃሮ ንልምዓት፣ 25,900 ብኣባላት ሓይልታት ምክልኻል፣ 25,780 ድማ ብመንግስታውያንን ዘይመንግስታውያንን ትካላት ከምእተተኽለ ገሊጹ።

ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ ኣብያተ-ትምህርቲ 22,783፣ ኣብ ናይ እምነት ቦታታት ድማ 8,985 ከም እተተኽለ ዝሓበረ መንእሰይ ዑቕባሚካኤል፡ እቲ ብውልቀገረብቲ ዝተተኽለ ዘድሊ ክንክንን ምክትታልን ስለዝግበረሉ፡ ዝለዓለ ናይ ምጽዳቕ ተኽእሎ ከምዘለዎ ኣገንዚቡ።

ኣብዚ ዓመት’ዚ፡ ኣብ’ቲ ዞባ ኣብ ዝርከባ ትሽዓተ መደበራት ፈልሲ፡ 2 ሚልዮን ፈልሲታት ንምድላው መደብ ተታሒዙ ከምዝነበረ፡ እንተኾነ – እቲ ዝፈለሰ ናይ’ቲ መደብ 51 ሚእታዊት ጥራይ ምዃኑ መንእሰይ ዑቕባሚካኤል ኣረዲኡ። ካብ’ዚ፡ እቲ 70 ሚእታዊት ቀላሚጦስ፡ 14 ሚእታዊት መበቈላዊ ኣግራብ፡ እቲ ዝተረፈ ድማ ዘይመበቈላዊ ኣግራብ ምዃኑ እውን ሓቢሩ።

ኣብ መወዳእታ፡ ህዝቢ ብውልቃዊ ተበግሶታት ኣብ ምትካል ንዘርእዮ ዘሎ ንጥፈታት ብምምጓስ፡ ሕብረተሰብ ኣብ ሓለዋን ምክንኻንን እጃሙ ከበርክት ተላብዩ።

ሎሚ ዓመት – ዳዕሮ፡ ሳግላ፡ ዱማ፡ ሞሞና፡ ኣውሊዕ፡ ቀንጠብ፡ ዓየ፡ ወይባን ሓንሰን ዝርከቡዎም 25 ዓይነት መበቈላውያን ኣግራብ ከምዝፈለሱ፡ ወኪል ኤሪና ነቲ በዓል-መዚ ብምጥቃስ ሓቢራ።

Categories