ሚኒስተር ፍትሒ ፎውዝያ ሃሽም፡ ንኤርትራውያን ነበርቲ ዳላስ-ፎርት ወርዝን ከባቢኣን – ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ብ24 ነሓሰ፡ ኣብ ህሉው ኩነታት ሃገርን መጻኢ ኣመታቱን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ዞባዊ ምዕባለታት ዘተኰረ ሰሚናር ኣካዪዳ።

ካብ ቅድሚ ናጽነት ክሳብ ዘለናዮ ሓድሽ መድረኽ ዝተኻየዱ ቃልስታት፡ ዝነበሩ ምዕባለታት፡ ዓወታትን ብድሆታትን መድረኽ ብመድረኽ ሰፊሕ መብርሂ ዝሃበት ሚኒስተር ፎውዝያ፡ ኣብ’ዚ ኣቲናዮ ዘሎና መድረኽ ሰላም፡ ክብርታትና ዓቂብና፡ ብመትከል ርእሰ-ምርኰሳ ብምሉእ ሓይልና ሃገራዊ ልምዓትናን ዘላቒ ምዕባለናን ብምርግጋጽ፡ ንኹሉ ዜጋ ማዕረ ዕድላት ንምፍጣር ብዕቱብ ይስራሓሉ ከምዘሎ፡ ኣብነታት ኣሰንያ ኣረዲኣ።

ሚኒስተር ፎውዝያ ኣብ መግለጺኣ፡ ኣብ ልምዓት ብሓፈሻ፡ ምውዳድ ትሕተ-ቅርጺ፡ ምስፋሕ ኣገልግሎታት ትምህርቲ፡ ጥዕናን ፍትሒን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ካልኦት ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ዝተመዝገበ ገስጋስ ዘነጽር – ብመጽናዕቲን ጭብጥታትን ዝተደገፈ ሰነዳት ስለዘሎ፡ ኩሉ ዜጋ ክውከሶ ኣዘኻኺራ።

ዜጋታት ብሓፈሻ መንእሰያት ድማ ስ/ ኣ ር ካ ይ ቭ ብፍላይ፡ ኣብ’ዚ ሃገራዊ ዕማም’ዚ ዜግነታዊ ሓላፍነት ተሰኪሞም ክዓዩ ዝተላበወት ሚኒስተር ፎውዝያ፡ መንእሰያት ኤርትራ ውዳበኦም ኣሐዪሎም፡ ነዚ ሓድሽ መድረኽ ብብቕዓትን ብልዑል ንቕሓትን ክገጥሙዎ ከምዝግባእ ኣገንዚባ።

ሚኒስተር ፈውዝያ ኣብ መወዳእታ፡ ካብ ተሳተፍቲ ኣብ ዝቐረበላ ሕቶታት ሰፊሕ መብርሂ ሂባ።

Categories