ማሕበር ሞያውያን ሕርሻ ኤርትራ፡ መበል 12 ጉባኤኡ ብ23 ነሓሰ ኣብ ኣስመራ ኣካዪዱ።

ኣደ-መንበር ማሕበር ዶክተር ብስራት ገብሩ፡ ዕላማ ማሕበር – ፍልጠትን ዓቕምን ኣባላት ምሕያል፡ ስነ-ፍልጠታዊ ኣገባባት ሕርሻ ብምጥቃም እቶታውነት ምዕባይ ከምኡ’ውን ድሕነት ኣከባቢ ምሕላው ምዃኑ ብምሕባር፡ ነዚ ንምስማር፡ ሰሚናራትን ዓውደ-መጽናዕትን ኣብ ምክያድ፡ ንሓረስቶትን መንእሰያትን ስልጠናታት ኣብ ምሃብ፡ ተራ ሞያውያን ደቂኣንስትዮ ኣብ ምሕያል ከምዝነጥፍ ኣረዲኣ።

ማሕበር ሞያውያን ሕርሻ ኤርትራ፡ 269 ምዝጉባት ኣባላት ከምዘለውዎ፡ እቶም ንጡፋት 62 ጥራይ ስለዝኾኑ ግን፡ ብኣኡ መጠን ንጥፈታቱን ኣታዊታቱን ከምዝደኸመ ዝሓበረት ዶክተር ብስራት፡ ኩሉ ኣባል ብተወፋይነት ተሳትፎኡ ከዕዝዝን፡ ናብ ሓድሽ መድረኽ ንምስግጋር ጻዕርታት ክሕይልን ተላብያ።

ጉባኤኛታት ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ ምምዕባል ማሕበር ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት ተራኦም ክጻወቱ፡ ጠንቂ ምዝሕታል ኣባላት ተለልዩ መፍትሒ ክናደየሉ፡ ዝብሉን ካልኦትን ርእይቶታት ኣቕሪቦም።

ሚኒስተር ሕርሻ ኣቶ ኣረፋይነ በርሀ፡ ማሕበር ካብ ዓመት ናብ ዓመት እናዛሕተለ ዝመጽእ ዘሎ ንጥፈታቱን ኣታዊታቱን ንምዕባይ፡ ብቐንዱ ኩሎም ኣባላቱ፡ ሚኒስትሪ ሕርሻን ካልኦትን ድማ ብሓፈሻ ኣበርክቶኦም ከዕዝዙ ኣገዳሲ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ማሕበር ሓደስቲ ኣባላት ንምጽንባር ዘካይዶ ጐስጓሳት ከሐይል ኣዘኻኺሩ።

Categories