ሚኒስትሪ ዜና፡ ምስ ሃገራዊ ትካል ምምሕዳር ሬድዮን ቴለቪዥንን ቻይና ተወሃሂዱ፡ ኣብ ምህንድስናን ቴክኖሎጂ ሓበሬታን ንዝነጥፉ 68 ኣባላቱ ስልጠና ወዲቡ።

እዚ ን21 መዓልታት ዝቕጽል ስልጠና፡ ብቐንዱ ኣብ ምድጅታል ኣሰራርሓ ሬድዮን ቴለቪዥንን ዘተኰረ ኮይኑ፡ ቴክኖሎጂ ፍርያት ቴለቪዥን፡ ግራፊክስን ድሕረውጽኢትን፡ ናይ ጽሑፍ መሰነይታ ኣብ ፈነወ ቴለቪዥን፡ ስቱድዮን ናይ ምዝርጋሕ ስርዓትን፡ ምስረታ መሬታዊ ድጅታላዊ ፈነወ ቴለቪዥን ዝብሉን ካልኦትን ኣርእስታት ዘጠቓለለ እዩ።

ብ26 ነሓሰ ኣብ ዝተኻየደ መበገሲ ስነስርዓት፡ ሚኒስተር ዜና ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ እቲ መደብ መቐጸልታ ናይ’ቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተዋህበ ተመሳሳሊ ስልጠና ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ቴክኖሎጂካዊ ደረጃን ናይ ምዝርጋሕ ሓበሬታ ዓቕምን ኣብ ድጅታላዊ ፈነወታት ሬድዮን ቴለቪዥንን ክብ ዘብል፡ ኣፍልጦን ብቕዓትን ኣባላት ምህንድስናን ቴክኖሎጂ ሓበሬታን ዘማዕብል፡ ፈነወ ቴለቪዥንን ሬድዮን ኤርትራ ብድጅታላዊ ኣገባብ ንምቕያር ኣብ መስርሕ ዘሎ ፕሮጀክት ዘደንፍዕ፡ ከምኡ’ውን ኣብ መንጎ ተጠርዩ ዘሎ ክእለትን ክቕሰም ዘድሊ ስልጠናታትን ንዘሎ ፍልልያት ዘነጽር ክኸውን ትጽቢት ከም ዝግበረሉ ኣገንዚቡ።

ሚኒስተር የማነ ኣስዒቡ፡ እቲ ስልጠና ኣብ ርእሲ ከቢድ ዕለታዊ ዕዮ ይወሃብ ምህላዉ – ንኣገዳስነቱ ዘነጽር ምዃኑ ብምምልካት፡ ሰልጠንቲ ነዚ ተገንዚቦም – ብዕዙዝ ተገዳስነት እቲ ዝድለ ውጽኢት ከመዝግቡ ኣዘኻኺሩ።

ኣምባሳደር ህዝባዊት ሪፓብሊክ ቻይና ኣብ ኤርትራ፡ ሚስተር ያንግ ዚጋንግ፡ እዚ ንኣባላት ሚኒስትሪ ዜና ንካልኣይ ግዜኡ ዝወሃብ ዘሎ ንምድጅታል መደባት ቴለቪዥንን ሬድዮን ዝዓለመ ስልጠና፡ ንዘመናውነትን ምድጅታልን ናይቲ ዓውዲ፡ ዝበለጸ ሓሳባትን እማመታትን ክርከቦ ዘለዎ እምነት ገሊጹ።

ዋና ኣማኻሪ ሃገራዊ ትካል ምምሕዳር ሬድዮን ቴለቪዥንን ቻይና፡ ሚስተር ቻንግ ጂን ብወገኑ፡ እዚ ናብ ኤርትራ መጺእካ ዝወሃብ ዘሎ ስልጠና፡ ካብ’ቲ ዝተወሰኑ ሰባት ናብ ቻይና ወሲድካ ዝወሃብ ዝነበረ ኣገባብ፡ ኣብ ተሳትፎ ብዝሒ ሰልጠንቲ ዓቢ ብልጫ ከምዘለዎ ገሊጹ።

Categories