ብማእከል ምርምርን ስነዳን ህግደፍን ቤት-ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ-ክርስትያን ኤርትራን ዝተወደበ፡ ኣብ ዕቃበን ኣሰራርዓን ሃይማኖታዊ ብራናታትን ንዋየ ቅዱሳንን ዘተኰረ ስልጠና ይወሃብ ኣሎ።

ነዚ ትማሊ 26 ነሓሰ ዝጀመረ ናይ ሓሙሽተ መዓልታት ስልጠና፡ ካብ ኮለጅ ምሕደራ ዋኒንን ማሕበራዊ ስነፍልጠትን ዓዲ-ቐይሕ፡ ካብ መንፈሳዊ ኮለጅ ደብረሲና ቅድስተ-ስላሴ፡ ካብ ቤት-ጽሕፈት መንበረ ፓትሪያርክ፡ ከምኡ’ውን ካብ ማእከል ምርምርን ስነዳን ህግደፍ ዝተዋጽኡ 25 ክኢላታት ይሳተፉዎ ኣለዉ።

እቲ ካብ ዩኒቨርሲቲ ሃምቡርግ – ጀርመን ብዝመጹ ክኢላታት ዝወሃብ ዘሎ ትምህርቲ፡ ብኣውራኡ ኣብ ኣቃውማን ቅዲን ስነ-ጽሑፍ ቋንቋ ግእዝን ካልእ ጥንታዊ ጽሑፋትን ዝሓቘፈ እዩ። ምድጅታልን ኣሰራርዓን ጽሑፋት እውን ኣካል ናይ’ቲ ትምህርቲ እዩ።

ተሓጋጋዚ ኣመሓዳሪ መንበረ ፓትሪያርክ ዲያቆን ግርማይ ዘርኣይ፡ ጥንታውያን ብራናታት ግእዝ – መግለጺ ስልጣነ ስለዝኾኑ፡ እቲ ስልጠናን ካብኡ ዝርከብ ፍልጠትን ኣገዳስነቱ ዕዙዝ ምዃኑ ኣረዲኡ።

ዳይረክተር ማእከል ምርምርን ስነዳን ህግደፍ ወይዘሮ ኣዜብ ተወልደ ብወገና፡ እዚ ምስ ዩኒቨርስቲ ሃምቦርግ ብዝተገብረ ምርድዳእ ተወሲዱ ዘሎ ተበግሶ፡ ኣካል ናይ’ቲ ሰነዳት ብስነ-ፍልጠታዊ መጽናዕቲ ንምዕማቖም ዝካየድ ጻዕሪታት ከምዝኾነ ሓቢራ።

Categories