ኣባል ፊፋን ፕረዚደንት ፈደረሽን ኲዕሲ እግሪ ኤርትራን-ነበር ኣቶ ተስፋይ ገረሱስ፡ ብ23 ነሓሰ ኣብ መበል 78 ዓመት ዕድመኡ ብሕማም ዓሪፉ።

ኣቶ ተስፋይ፡ ከም ኢንተርናሽናል ዳኛ፡ ኢንስትራክተር ዳንነት ፊፋን ካፍን፡ ከምኡ’ውን ፕረዚደንት ኮንፈደረሽን ኲዕሶ እግሪ ሃገራት ምብራቕን ማእከላይን ኣፍሪቃ (ሴካፋ) ብምዃን፡ ንልዕሊ 50 ዓመት ሰሪሑ።

ንልዕሊ 22 ዓመታት ብኢንተርናሽናል ዳንነት ዘገልገለ ኣቶ ተስፋይ፡ ኣብ 1970 ከምኡ’ውን ኣብ 1980 ግጥማት ፍጻሜ ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ኣብ 1978 ኣብ ኣርጀንቲና ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ዋንጫ ዓለም፡ ኣብ 1984 ድማ ኣብ ሎስ-ኣንጀለስ – ሕቡራት ሃገራት ኣመሪካ ኣብ ዝተኻየደ ውድድራት ኦሎምፒክ ብብቕዓት ዝዳነየ፡ ካብ ውሩያት ኢንተርናሽናል ደያኑ ኣፍሪቃ ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ እዩ ነይሩ።

ኣብ ትንሳኤን ምሕደራን ኲዕሶ እግሪ ኤርትራ ዕዙዝ ኣበርክቶ ዝነበሮ ኣቶ ተስፋይ፡ ኣብ መወዳእታ መዋእል ስርሑ፡ ኣባል ኮሚተ “እሩም ጸወታ ፊፋ” ብምዃን እውን ሰሪሑ እዩ።

ኣቶ ተስፋይ ንዕቤት ስፖርት ኲዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ብዝገበሮ ኣበርክቶ፡ ኣብ 2012 ካብ ላዕለዋይ ባይቶ ስፖርት ኣፍሪቃ ዝለዓለ ኒሻን ተሸሊሙ።

ስነ-ስርዓት ቀብሪ ኣቶ ተስፋይ ገረሱስ፡ ሎሚ ሰንበት ሰዓት 8፡00 ንግሆ ኣብ መካነ መቓብር ሓዝሓዝ ክፍጸም እዩ።

ኮሚሽን ባህልን ስፖርትን ሃገራዊ ፈደረሽን ኲዕሶ እግሪን ኤርትራ፡ ብዕረፍቲ ኣቶ ተስፋይ ገረሱስ ዝተሰመዖም ሓዘን እናገለጹ፡ ንስድራቤቱን መላእ ማሕበረ-ሰብ ስፖርትን ጽንዓት ተመንዮም።

Categories