ኣብ ዞባ ማእከል፡ መቐጸልታ ናይቶም – ናይ 12 ክፍሊ ትምህርቶም ንምቕጻልን፡ ኣብ መበል 33 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ግቡኦም ንምፍጻምን፡ ብ21 ነሓሰ ናብ ሳዋ ዝወረዱ ልዕሊ 4 ሽሕ ተመሃሮ 11 ክፍሊ፡ ትማሊ 24 ነሓሰ – እቶም ተሪፎም ዝነበሩ ኣስታት 2 ሽሕ ተመሃሮ፡ ብተመሳሳሊ ኣገባብ ሳዋ ወሪዶም። ወለዶምን መቕርቦምን ድማ ብዕልልታ ኣፋንዮምዎም።

እዞም መቐጸልታ ናይቶም ብ21 ነሓሰ ኣብ ቀዳማይ እብረ ናብ ሳዋ ዝወረዱ መዛኑኦም’ዮም።

ብመሰረት ሓበሬታ ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ማእከል – ሓላፊ ኣሃዱ 2ይ ደረጃ ኣብያተ-ትምህርቲ፡ መምህር ዮሃንስ ሰሎሞን፡ እዞም ኣብ ካልኣይ እብረ ዝተበገሱ ተመሃሮ፡ ናይ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ-ትምህርቲ ባርካ፡ ልምዓት፡ ደምበሰምበል፡ ሓላይን ሰማእታትን እዮም።

እቶም ተመሃሮ፡ ብኣእምሮን ብኣካልን ኩሉ-መዳያዊ ምቅርራባት ገይሮም ከምዘለዉ ብምሕባር፡ ኣብ ትምህርቶም ጽቡቕ ውጽኢት ከመዝግቡ ኣበርቲዖም ከምዝጽዕሩ ተዛሪቦም።

ወለዲ እውን፡ ደቆም – ከም ዝሓለፉ ዙራት ኣብ ኩሉ ንጥፈታቶም ብፍላይ ድማ ኣብ ትምህርቶም ኣድሚዖም ንህዝቦምን ሃገሮምን ክኾኑ፡ ዘለዎም እምነት ገሊጾም።

Categories