መራሕቲ ታክሲ፡ ኩነታት ጽርግያን ጻዕቂ ትራፊክን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ድሕነቱ ዝሓለወ ምንቅስቓስ ከዘውትሩ፡ ብ13 ነሓሰ ኣብ ዞባ ማእከል ንዝነጥፉ መራሕቲ ታክሲ ኣብ ዝተዋህበ ኣስተምህሮ መዘኻኸሪ ተዋሂቡ።

ሓለፍቲ ምቁጽጻር መቕጻዕቲን መርመራ ሓደጋን ፖሊስ ትራፊክ ዞባ ማእከል፡ መራሕቲ ታክሲ ብዙሓት ደቂ ሃገርን ወጻእተኛታት ኣጋይሽን ስለዘአንግዱ፡ ሓላፍነታውያንን ኣኽበርቲ ሕጊን ክኾኑ ከምዝግባእ እዮም ኣብ ኣስተምህሮኦም ኣተሓሳሲቦም።

ሃንደበት ጠጠው ምባል፡ ኣልኮላዊ መስተ ሰቲኻ ምምራሕ፡ ዘይግቡእ ጽዕነት ጽዒንካ ምጒዓዝ፡ ንዝጸዓንካዮ ንብረት ብግቡእ ዘይምእሳር፡ ከምኡ’ውን ሃንደበት ብዘይ ምልክት መኣዝንካ ምቕያር፡ ካብ’ቶም ብመራሕቲ ታክሲ ተዘውቲሮም ዝርኣዩ ምጥሓስ ሕግታት ምዃኖም፡ እቶም ሓለፍቲ ፖሊስ ትራፊክ ኣገንዚቦም።

ኣዛዚ ፖሊስ ትራፊክ ዞባ ማእከል ሌተና ኮሎነል ታደሰ ብርሃነ፡ ኣብ ድሕነት ትራፊክ ጽርግያ፡ ኩሉ ኣካል ሕብረተ-ሰብ ንቕሓቱ ከበርኽ፡ ብፍላይ ከኣ መራሕቲ ታክሲ ምትሕብባሮም ከዛይዱ ተላብዩ።

Categories