ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ትማሊ 15 ነሓሰ ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቐትሪ፡ ንፍሉይ ልኡኽ ቀዳማይ ሚኒስተር ጃፓን ተቐቢሉ ኣዘራሪቡ።

እቲ ፍሉይ ልኡኽ፡ ፕረዚደንት ማሕበር ቁጠባን ልምዓትን ኣፍሪቃ ሚስተር ተትሱሮ ያኖ፡ ከምኡ’ውን ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢነበርን ኣባል ቤት-ምኽርን ኣምባሳደር ዮሺፉሚ ኦካሙራ ዘጠቓለለ እዩ።

ኣብ ኣዳራሽ ሃገር ኣብ ዝተኻየደ ርክብ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ጃፓን ምስ’ቲ ኣብ ዞባና ተኸሲቱ ዘሎ ሓድሽ ናይ ሰላምን ምትሕብባርን ሃዋህው፡ ኣብ ምዕባለ ኣፍሪቃ ብሓፈሻ ኣብ ምዕባለ ዞባ ቀርኒ-ኣፍሪቃ ድማ ብፍላይ፡ ዓቢ ኣበርክቶ ክህልዋ ትጽቢት ከምዝግበር ኣገንዚቡ። ኤርትራ ንክልተኣዊ ሽርክነታዊ መደባት ዘደንፍዕ ናይ ወፍሪ ዕድላት ከምኡ’ውን ኣብዚ መዳይ’ዚ ኣበርክቶ ንዝገብራ ናይ ጃፓን ብሕታዊ ትካላት ከም እተተባብዕን ከም እትቕበልን ድማ ነቲ ልኡኽ ኣረጋጊጹሉ።

ክልቲኦም ወገናት ብተወሳኺ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ጃፓንን ኣብ ጽላታት ትምህርቲ፡ ሃብቲ ዓሳን ልምዓት ማይን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ትሕተ-ቅርጺ ክምዕብል ኣብ ዝድለ ክልተኣዊ ምትሕብባር ኣስፊሖም ተመያዪጦም።

ኣብ መወዳእታ፡ ነቲ ኣብ ምዝዛም ናይ’ዚ ወርሒ’ዚ ኣብ ጃፓን ክካየድ ትጽቢት ዝግበረሉ – ሓባራዊ ኣኼባ ኣፍሪቃን ጃፓንን ብዝምልከት፡ ሓሳብ ተለዋዊጦም።

ፍሉይ ልኡኽ ጃፓን፡ ሃገሩ ካብ ዞባዊ ምትሕብባር ሓሊፋ፡ ምስ ኤርትራ ንዝካየድ ሽርክነታዊ ምትሕግጋዝ ንምድንፋዕ ዘለዋ ድልውነት ኣረጋጊጹ።

ኣብ’ቲ ርክብ፡ ብወገን ኤርትራ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ተረኺቡ ነይሩ።

Categories