ሚኒስትሪ ጥዕና፡ ኣብ ዝመጽእ ወርሓት ሕዳርን ታሕሳስን ኣብ መላእ ሃገር ሓድሽ ክታበት ሕማም ኣንቅጺ ንምሃብ፡ እኹል ምድላዋት ይገብር ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ኣብ’ቲ ሚኒስትሪ ሓላፊ ሃገራዊ መደብ ክታበት ኣቶ ቴድሮስ ይሕደጎ፡ ካብ ንኡሳን ዞባታት ተሰነይ፡ ጎልጅ፡ ሃይኮታ፡ ፎርቶ-ሳዋን ጎኘን ንዝመጹ ኣመሓደርትን ካልኦት ኣካላትን፡ ብ13 ነሓሰ ኣብ ከተማ ተሰነይ፡ ብዛዕባ’ቲ መደብን ተራ መሻርኽትን መብርሂ ሂቡ።

ሕማም ኣንቅጺ ኣብ ከባቢ ቅናት ምድሪ ንዝርከባ 26 ሃገራት ኣፍሪቃ ከጥቅዕ ከምዝጸንሐ፡ ገለ ክፋል ሃገርና ድማ ኣብ’ዚ ክሊ’ዚ ስለዝርከብ፡ ሳሕቲ ተርእዮ’ቲ ሕማም ምጽንሑ ዝጠቐሰ ኣቶ ቴድሮስ፡ ነዚ ኣብ ጎረባብትና ሃገራት ብቐጻሊ ዝኽሰት ሕማም ንምቊጽጻር፡ ሚኒስትሪ ጥዕና ኣብ’ቲ ዝተጠቕሰ ግዜ፡ ካብ 1 ክሳብ 30 ዓመት ዝዕድመኦም ኣስታት 3 ሚልዮን ሰባት ናይ ምኽታብ ውጥን ከምዘለዎ ገሊጹ።

እቲ መደብ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ኣብ ክልተ ገጻት ከምዝትግበር ጠቒሱ ድማ፡ ብዞባታት ደቡባውን ሰሜናውን ቀይሕ ባሕሪ ፈሊሙ፡ ናብ’ተን ካልኦት ዞባታት ከምዝቕጽል ኣረዲኡ።

ኣቶ ቴድሮስ፡ እቲ ክታበት፡ ህዝቢ ብእኩብ ኣብ ዝነብረሉ ቦታታት ከም ኮለጃት፡ መዓስከራትን ደሴታትን፡ ከምኡ’ውን ሰበኽ-ሳግማዊ መነባብሮ ዝመርሑ ዜጋታት ኣብ ዘለውዎ ቦታታት እውን ከምዝወሃብ ብምሕባር፡ ተሳትፎ ህዝብን መሻርኽትን ክዓዝዝ ተላብዩ።

ሕማም ኣንቅጺ፡ ኣብ ሽፋን ሓንጎልን ፈሳሲ ዓንዲ-ሕቘን ረኽሲ ብምፍጣር፡ ክሳብ ሞት ዘብጽሕ ሓደገኛ ተመሓላላፊ ሕማም እዩ።

Categories