ዓመታዊ ዋዕላ ሃገራዊ ቤት-ምኽሪ ኤርትራውያን-ኣመሪካውያን፡ “ጽንዓት ብጽንዓት ንልምዓት” ብዝብል ቴማ፡ ኣብ ‘በይ ኤርያ’ – ካሊፎርንያ ተቓኒዑ።

ኣብ’ቲ ብሚኒስተር ፍትሒ ፎውዝያ ሃሽም ዝተኸፍተ፡ ካብ 8 ነሓሰ ጀሚሩ ንሰለስተ መዓልትታት ዝቐጸለ ዋዕላ፡ ልዕሊ 500 ወከልቲ ከምእተሰተፉ፡ ካብ’ቲ ቦታ ዝበጽሓና ሓበሬታ ገሊጹ።

ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብ – ካብ ኣስመራ ብ‘ስካይፕ’ ንተሳተፍቲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ናይ ሎሚ ዓመት ዋዕላ፡ ኣብ ቅንያት ጽምብል ምምስራት ሳዋን ምጅማር ሃገራዊ ኣገልግሎትን ይካየድ ምህላዉ፡ ፍሉይነት ከምዘለዎ ብምዝኽኻር፡ ከም መድረኽ ምድልዳል ሃገራዊ ሓድነት – ምዝታይ ኣብ ህልው ኩነታት ሃገር፡ ከምኡ’ውን ምዂስኳስ ሕብረተ-ሰባዊ ክብሪታት ኣብ ሓደስቲ ወለዶታት ዘለዎ ኣገዳስነት – ዕዙዝ ምዃኑ ኣረዲኡ።

 

Categories