ሃገራዊ ፈስቲቫል ኤርትራ 2019፡ “ባህሊ ጽንዓት ብጽንዓት” ብዝብል ቴማ፡ ካብ 16 ክሳብ 22 ነሓሰ ኣብ ቀጽሪ ኤክስፖ – ኣስመራ ክካየድ እዩ።

ኮሚሽነር ባህልን ስፖርትን ኣምባሳደር ዘመደ ተኽለ ምስ ኤሪና ኣብ ዘካየዶ ቃለ-መሕተት፡ እዚ ዓቢ ሃገራዊ ንግደት፡ ዓመት መጸ ተመኲሮ እናተደለበ ብውድድራዊ መልክዕ ከምዝካየድ፡ ሎሚ ዓመት’ውን ኩለን ዞባታት ዘዝውንናኦ ትሕዝቶ ጸጋታትን ኣብ ብዙሕነትና ዘሎ ጽባቐን ከንጸባርቓ ምእንቲ፡ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዘን ከካይድኦ ዝጸንሓ ምድላዋት፡ ኣብ ናይ መጨረሻ መልክዑ በጺሑ ከምዘሎ ሓቢሩ።

“ፍሉይነት ትሕዝቶ ዘይኮነ፡ ፍሉይነት ኣቀራርባ ክህሉ’ዩ ትጽቢት ዝግበር’’ ዝበለ ኣምባሳደር ዘመደ፡ ዞባታት ዘለወን ባህርያዊ ጸጋታት ዘንጸባርቓሉ ኣዳራሽ ምርኢት፡ ረቂቕ ባህላዊ ውርሻታት ዝቐርበሉ ያታዊ ትልሂትን ሙዚቃን፡ ድኰና ኣባይትን ዕለታዊ መነባብሮ ብሄራትን ዝቐርበሉ ቁሸት፡ ስነጥበባዊ ውድድራት፡ ምርኢት ምህዞን ሰንዓን፡ መሸጣ ዝተፈላለየ ኣቑሑ ዝካየደሉ ባዛር፡ ምርኢት ቅርጻን ቅብኣን፡ መደባት ኣፋዊ ያታ፡ ምርኢት ፍርያት ትካላት፡ ኣዘናጋዒን መሃሪን መደባት ህጻናትን ቈልዑን፡ ምርኢትን መሸጣን መጻሕፍትን ካልእን ዘጠቓልል ትሕዝቶ፡ ኣብ ኣገባብ ኣቀራርባኡ ፍሉይነት ተገይሩሉ ከምዘሎ ገሊጹ።

ኣብ እዋን ፈስቲቫል ኣብ ወሃብቲ ኣገልግሎት ንዝርአ ናህሪ ዋጋ ሃለኽቲን ጉዳይ ኣገልግሎት መጓዓዝያን ብዝምልከት፡ ኣምባሳደር ዘመደ፡ ዝተወሰነ ዋጋታት ከምዘሎ፡ ካብኡ ንላዕሊ ንኸይሸጡ ድማ ምቁጽጻር ክግበረሎም ምዃኑ ብምሕባር፡ ጉዳይ መጓዓዝያ እውን ከም’ቲ ልሙድ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምትሕብባር ብቑዕ ምድላዋት ተገይሩ ከምዘሎ ኣገንዚቡ።

ህዝቢ ነቲ ዝቐርብ መደባት ብዝግባእ ከስተማቕሮ ምእንቲ፡ ዕለታዊ ብመራኸቢ ብዙሃን ሃገርና ንዝወሃብ ሓበሬታ ክከታተል ድማ ኣዘኻኺሩ።

Categories