ብ4 ነሓሰ ኣብ ከተማ ከረንን ከባቢኣን ዝዘነበ ብርቱዕ ዝናብ ዘውረዶ ወሓይዝ፡ ሻምብቆታት ቀረብ ዝስተ ማይ ከምዝወሰደን ዒላታት ከምዝደፈነን ተሓቢሩ።

ኣካያዲ ስራሕ ኣገልግሎት ቀረብ ማይ ከተማ ከረን፡ መንእሰይ ኣብርሀ ግርማጼን፡ ምስ ኩነታት ክራማትን ምልኣት ውሕጅ ሩባ ዓንሰባን፡ ኣብ መስመራትን ምንጪታትን ማይ፡ ከምኡ’ውን ኣብ መስመራት ጸዓትን ናውቲ ምጭንጓዕን ከቢድ ሃስያ ከምዝወረደ፡ እዚ ድማ ጠንቂ ግዝያዊ ምቊራጽ ኣገልግሎት ቀረብ ማይ ኮይኑ ከምዘሎ ገሊጹ።

ምንጪ ማይ ዝኾና ዒላታት ኣብ ማእከል ሩባ ዓንሰባ ዝተደኰና ብምዃነን፡ ብቦጣት ዝወሃብ ኣገልግሎት እውን ተሰናኺሉ ከምዘሎ ዝሓበረ መንእሰይ ኣብርሀ፡ እቲ ናይ ቀረብ ማይ ኣገልግሎት ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ከምዝጅምር ንምግባር፡ ኣብ መስርሕ ምትዕርራይ ከምዝርከቡ ሓቢሩ።

Categories