ኣብ ጽምብል መበል 25 ዓመት ምጅማር ሃገራዊ ኣገልግሎት ንምስታፍ ሳዋ ዝወረዱ – ካብ ወጻኢ ዝመጹ ኤርትራውያን፡ ብጥርኑፍ – ዲጋ ከርከበትን ኣብ ከባቢኡ ዝሰላሰል ዘሎ ልምዓታዊ መደባትን ተዓዚቦም።

እዞም ዓበይቲ፡ መንእሰያትን ቈልዑን ዝርከቡዎም ኣስታት 200 ዜጋታት፡ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳ፡ ኣመሪካ፡ ሃገራት ዓረብን ካልኦት ሃገራትን ዝነቐሉ ኰይኖም፡ ብጥርኑፍ እዮም ናብ ከርከበት ተጓዒዞም።

ኣብ’ቲ ቦታ ምስ በጽሑ ብነበርቲ ናይቲ ስ/ መ ብ ራ ህ ቶ ም ተ ሾ መ ስ/ ዓ ወ ት ሃ ብ ተ ከባቢ ድሙቕ ኣቀባብላ ዝተገብረሎም ዑደተኛታት፡ ነቲ ዲጋን ሓፈሻዊ ናይ ልምዓት ስራሓትን ዝምልከት መግለጺ ብክኢላታት ተዋሂቡዎም።

ኣብ’ቲ ቦታ ዝፈሰሰ ሓያል ጻዕሪን ስትራተጂካዊ ኣጠማምታ መንግስቲ ኤርትራን ክግንዘቡ ከምዝኸኣሉ ዝሓበሩ እቶም በጻሕቲ፡ “ማይና ብኸም’ዚ መንገዲ እንተደኣ ዓቂብናዮ፡ ንሃገርና ኣኺሉ ዝተርፍእ እዩ” ብምባል፡ በቲ ኣብ ከባቢ ዲጋ ከርከበት ዝሰላሰል ዘሎ ልምዓታዊ ስራሓት ሓበን ከም እተሰመዖም ገሊጾም።

Categories