ኣብ ንኡስ ዞባ ድባርዋ፡ ኣብ ምምሕዳራት ከባቢ ክሳድ ዳዕሮ፡ ገርጠጥቲን ዓዲ-ቀ ተዂላን ዝጥርነፋ 15 ዓድታት ዘገልግል – ካብ ጸሊም ጽርግያ ሸኻ ወዲብስራት ዝእለ ናይ ሓመድ ጽርግያ፡ ብተበግሶ ህዝቢ ብማሽነሪታት ይጽገንን ይሰፍሕን ኣሎ።

እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ዝተጀመረን ን125 መዓልታት ዝቕጽልን – 15 ኪሎ-ሜተር ዝንውሓቱ ፕሮጀክት፡ 8 ሜተር ጐድኒ ዘለዎ ኮይኑ፡ ካብ 10 ክሳብ 50 ሰንቲ-ሜተር ዝርጉዱ ምሩጽ ሓመድ ይንጸፈሉ ኣሎ።

እቲ ብዞባ ደረጃ ክልተ ግዜ መጽናዕታዊ ቅየሳ ዝተኻየደሉ መስመር፡ 9 ተነጻፊ ቢንቶታትን 6 ዓበይቲ ቢንቶታትን ከም ዘጠቓልል፡ ብሓፈሻ ድማ 13 ሚልዮን ናቕፋ ባጀት ተታሒዙሉ ከምዘሎ፡ ወኪል ኤሪና ንዝምልከቶም ኣካላት ብምጥቃስ ሓቢሩ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ድባርዋ ኣቶ ፍረወንጌል ተኽለሃይማኖት፡ ኣብ’ቲ ቦታ ምስ ኣመሓደርትን ኣነባበርትን ከምኡ’ውን ኮሚተ ጽርግያ ጉሕ-ጭዓ ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ ህዝቢ ነዚ ገዚፍ ወጻኢታት ዝሓትት ስራሕ ተበግሶ ምውሳዱ ድሕሪ ምምጓስ፡ ምክትታል ሃገራውያን ኩባንያታትን ምምሕዳር ዞባን ከምዘይፍለዮም ኣረጋጊጹሎም።

ኣባላት ኮሚተ ጽርግያ፡ እቲ መስመር በብግዜኡ ተተባሕጒጉ ስለዝተበላሸወ፡ ኣብ ንጥፈታት መጓዓዝያን ማሕበረ-ቁጠባዊ ኣገልግሎትን ጸገማት ክፈጥር ምጽንሑ ብምምልካት፡ ተጀሚሩ ዘሎ ስራሕ ብስሉጥ ኣገባብ ንኽዛዘም፡ ኣበርክቶ ህዝቢ ክዓዝዝ ተላብዮም።

Categories