ኣብ ሓልሓል – ዞባ ዓንሰባ፡ ብ4 ነሓሰ 2019 ዝወቕዐ ህቦብላ ዝተሓወሶ ብርቱዕ ዝናብ፡ ኣብ ዘራእትን ቤት-ትምህርትን ጉድኣት ኣውሪዱ።

በቲ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ-ቐትሪ ዝወቕዐ ዝናብ፡ ኣብ 50 ሄክታር ዝለምዕ ዝነበረ ኣእካል፡ ጥረታት፡ ኣሕምልትን ፍረታትን ክድምሰስ እንከሎ፡ 4 ክፍልታት መባእታ ቤት-ትምህርቲ ድማ፡ ዚንጎታታ ምሉእ ብምሉእ ተቐንጢጡ።

ርእሰ-መምህር’ታ ቤት-ትምህርቲ ዩሱፍ ዓፋ፡ እታ ኣብ 1984 ዝተሃንጸት ቤትትምህርቲ፡ ኣብ ቃልዕ ዝተደኰነት ብምዃናን ቀጽሪ ስለዘይተሰርሓላን፡ ብቐጻሊ ንባህርያዊ ሓደጋታት ክትቃላዕ ምጽናሓ ብምሕባር፡ መሰረታዊ ፍታሕ ክግበረላ ሓቲቱ።

እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ ካብ ስንጭሮታትን ሩባታትን ዝወረደ ወሓይዝ እውን ኣባይቲ ከምዘዕለቕለቐ፡ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።

Categories