ኣብ ንኡሳን ዞባታት መንደፈራ፡ ድባሩዋ፡ ጸሮና፡ ዓዲ-ቐይሕን ኣቑርደትን፡ ብክረምታዊ ወፍሪ ተመሃሮ ንልምዓት ኣድማዒ ስራሕ ከምእተዓመ፡ ወኪላት ኤሪና ሓቢሮም።

ኣብ ንኡስ ዞባ መንደፈራ ዝተዋፈሩ 700 ተመሃሮ፡ ኣብ ሽድሽተ ነቝጣታት ተመዲቦም፡ ዛጊት 1564 ኪሎ-ሜተር ቅናታዊ ዛላታት ክሰርሑ እንከለዉ፡ 1627 ጐዳጉዲ ብምኹዓት – ፈልሲታት ከምዝተኸሉሉን፡ 4500 ተኽሊ ከምዝዀስኰሱን ተፈሊጡ።

ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ መምህር ገረዝግሄር ተወልደ፡ ዝተደኽመሉ ስራሕ ውጽኢቱ ክረጋገጽ፡ ናይ መላእ ሕብረተሰብ ሓላፍነት ምዃኑ ኣገንዚቡ።

ኣብ ንኡስ ዞባ ድባርዋ፡ ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ገዛ ላምዛ – ኣብ ትሕቲ ዲጋ ማይ-ዝብኦ፡ 7600 ጐዳጉዲ ድሕሪ ምዅዓት፡ 6600 ፈልሲ ቡን ከምእተኸሉሉ፡ ነቲ ሓደ ሽሕ ድማ ፈልሲ ማንጉስ ክተኽሉሉ ምዃኖም፡ ኣብ ቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪ ሕርሻ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ፡ ክኢላ ልምዓት መስኖ ኣቶ ግርማይ ተስፋሚካኤል ገሊጹ።

ብዘይካኡ፡ 168 ሜተር ኲብ ከትርታት ከምዝሰርሑን እቲ ስራሕ ጽቡቕ ይቕጽል ከምዘሎን ሓቢሩ።

ኣብ ንኡስ ዞባ ጸሮና ዝተዋፈሩ ኣስታት 100 ተመሃሮ፡ ኣቐዲሙ ኣብ ዝተዃዕተ ጐዳጉዲ ፈልሲታት ክተኽሉ እንከለዉ፡ ልዕሊ 4 ኪሎ-ሜተር ቅናታዊ ዛላታትን ልዕሊ 300 ሜተር ኲብ ከትርታትን ሰሪሖም።

ኣብ ንኡስ ዞባ ዓዲ-ቐይሕ እውን፡ ኣብ 5 ነቝጣታት ዝተዋፈሩ 500 ተመሃሮ፡ ኣብ ምዕቃብ ማይን ሓመድን፡ ምፍዋስ ዝተባሕጎጐ መሬት፡ ኣብ ምስራሕ ቅናታዊ ዛላታትን ምትካል ፈልሲታትን ዕዉት ስራሕ ከምዝፈጸሙ ተገሊጹ።

ብተመሳሳሊ፡ 116 ደቂ-ኣንስትዮ ዝርከባኦም 270 ተመሃሮ ኣቑርደት፡ ኣብ ኣብያተ-ትምህርቲ፡ ጐደናታትን መካነ-መቓብር ሓርበኛታትን – ኣግራብ ኰስኲሶም፡ ንመትከሊ ፈልሲ ዝኸውን ጐዳጉዲ ኵዒቶም፡ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ፈልሲታት ተኺሎምን ቅናታዊ ዛላታት ሰሪሖምን ጸጊኖምን።

Categories