ኣብ መስመር ኣስመራ – ድባርዋ ዝርከብ ብመንጉዳ ዝፍለጥ ኣስታት ሸውዓተ ኪሎ-ሜትር ዝንውሓቱ ጥውይዋይ ዝበዝሖ ክሳድ፡ ክትትልን ወቕታዊ ጽገናን ክግበረሉ ተጠቀምቲ ሓቲቶም።

እቲ ኣጻድፍ ዝበዘሖን ጥንቃቐ ዝሓትትን መስመር፡ ምክትታልን ስሩዕ ጽገናን ዝገብሩሉ ዝነበሩ ሰራሕተኛታት፡ ካብ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣብ ስራሕ ስለዘየለዉ፡ እቲ ጽርግያ ንሓደጋ ተቓሊዑ ከምዘሎ ኣረዲኦም።

ብሰንኪ ዘይምህላው እቶም ሰራሕተኛታት፡ ኣብ እዋን ዝናብ ካብ በረኽቲ ቦታታት ዝወርድ መንደራጋሕ ኣብ ማእከል ጽርግያ ንተሽከርከርቲ ክዓግት ብተደጋጋሚ ይርአ ስለዘሎ፡ ሓደጋ ከየጋጠመ፡ ዝምልከቶ ኣካል ፍታሕ ከናድየሉ ኣዘኻኺሮም።

እቶም ወሃብቲ ርእይቶ ብተወሳኺ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ብሓፈሻ ኣብ ከባቢ ሽከቲ ድማ ብፍላይ ዘሎ ቢንቶታት ብምዕባሱ፡ ውሕጅ ብልዕሊ ጽርግያ እናሓለፈ ንምንቅስቓስ መጐዓዝያ የሸግር ስለዘሎ፡ ኣብ’ቲ ከባቢ ዝርከብ ህዝቢ ንምጽራጉ ወፈራታት ክውድብ ተላብዮም።

Categories