ዓመታዊ ፈስቲቫል ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን ነበርቲ ምብራቕ ካናዳ፡ “ጽንዓት ብጽንዓት ንልምዓት” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ፡ ካብ 3 ክሳብ 5 ነሓሰ ኣብ ከተማ ቶሮንቶ ብልዑል ሱታፌ ተኻዪዱ።

እቲ ብኣምባሳደር ነጋሲ ሰንጋል ዝተኸፍተ ፈስቲቫል፡ ብተሳትፎ ብርክት ዝበሉ ኤርትራውያን ነበርቲ ቶሮንቶ፡ ምብራቓዊ ካናዳን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን፡ ከምኡ’ውን መሓዙት ኤርትራ ደሚቑ ቀንዩ።

ኣቦ-መንበር ኣወሃሃዲ ሽማግለ በዓላት ኣቶ ተመስገን ትርፈ፡ ናይ ሎሚ ዓመት ፈስቲቫል፡ ኣብ ቅንያት ጽምብል ብሩራዊ ኢዮቤልዩ ምምስራት ሳዋን ምጅማር ሃገራዊ ኣገልግሎትን፡ ከምኡ’ውን ዝኽሪ ቀዳማይ ዓመት ምኽታም ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን ኤርትራን ኢትዮጵያን ይጽምበል ብምህላዉ፡ ፍሉይነትን ድምቀትን ከምዘለዎ ገሊጹ።

ኣብ’ቲ ፈስቲቫል፡ ጸሓፋይን ተመራማርን ኣቶ ኤልያስ ኣማረ፡ ኣብ ህሉው ኩነታት ሃገርን ዞባዊ ምዕባለታትን፡ ከምኡ’ውን ንተራን ኣበርክቶን ኣብ ወጻኢ ዝነበሩ ኤርትራውያን ኣብ ህንጸት ሃገር ዘተኰረ ሰሚናር ኣካዪዱ።

እቲ ንሰለስተ መዓልታት ብውዕዉዕ ሃገራዊ መንፈስ ዝቐጸለ ዓመታዊ ፈስቲቫል፡ ብባህላዊ ምርኢትን ስፖርታዊ ንጥፈታትን ዝተሰነየ ነይሩ።

ኣብ መዛዘሚ’ቲ ፈስቲቫል፡ ኣብ ስፖርታውን ካልእን ውድድራት ንዝተዓወቱ ሽልማት ተዓዲሉ።

Categories