ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ብ3 ነሓሰ ንኤርትራውያን ተቐማጦ ኖርወይ ኣብ ህሉው ኩነታት ሃገርናን ዞባዊ ምዕባለታትን ዘተኰረ መግለጺ ሂቡ።

ኣቲናዮ ዘሎና መዋእል፡ ሓይሊ መኸተን ጽንዓትን ህዝቢ፡ መንግስትን ሰራዊትን ኤርትራ ዳግማይ ዝተንጸባረቐሉ ምዃኑ ዝሓበረ ኣቶ የማነ፡ ተተሓሒዝናዮ ዘሎና – ሃንቀውታ ህዝባ እተማልእ ብልጽግቲ ሃገር ናይ ምህናጽ መስርሕ እውን፡ ኣብ ህዝብና፡ ብቕዓትናን ውሽጣዊ ጸጋታትናን ምሉእ ምትእምማን ስለዘሎ ምዃኑ ኣረዲኡ።

ብፍልጠትን ሞያን ዝተሃንጸ ሕብረተሰብ፡ እምነ-ኩርናዕ ቁጠባዊ ዕብየት ብምዃኑ፡ ልምዓታዊ ቀዳምነት ኤርትራ፡ ምስልጣንን ምምዕባልን ሰባዊ ጸጋታት ከምኡ’ውን ንዘሎ ዓቕሚታት ብግቡእ ወዲብካ ብኣድማዕነት ናብ ሃገራዊ መዓላ ምውዓል ምዃኑ ገሊጹ። ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ዜጋታት፡ በብሞያኦም ንሃገር ዝገብሩዎ ኣበርክቶ ከዕዝዙ ድማ ኣዘኻኺሩ።

ኣቶ የማነ፡ ኣብ መዳያት ትሕተ-ቅርጺ፡ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት፡ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ንጥፈታት፡ ህዝባዊ ውዳበታት፡ ተራ ኣብ ወጻኢ ዝቕመጡ ኤርትራውያንን ምድልዳል ዓቕሚ-ሰብ ዲፕሎማስያዊ ማእከላትን ኣብ ዝብሉ ኣርእስቲታት ሰፊሕ መብርሂ ድሕሪ ምሃብ፡ ካብ ተሳተፍቲ ንዝቐረቡ ሕቶታት መሊሱ።

ሓላፊ ህዝባውን ኮማውን ጉዳያት ኣብ ሃገራት ስካንዲናቭያ፡ ኣቶ ሲራክ ባህልቢ ድማ፡ ንውሽጣዊ ውዳበን ኣሰራርሓን ዲፕሎማስያዊ ማእከላት ኣብ ሃገራት ስካንዲናቭያን ብዝምልከት ተወሳኺ ሓበሬታ ሂቡ።

Categories