ኤርትራውያን ነበርቲ ጀርመን፡ ከም መቐጸልታ ናይቲ ስድራ ስዉኣት ንምሕጋዝ ዝገብሩዎ ኣበርክቶ፡ 4,400 ዩሮ ሓገዝ ከምዝለኣኹ፡ ሚኒስትሪ ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን ሓቢሩ።

እቲ ሓገዝ፡ ማሕበረ-ኮም ኑረንበርግን ከባቢኣን 2,600 ዩሮ፡ ማሕበረ-ኮም ዱዘልዶርፍን ከባቢኣን ድማ፡ ሰለስተ ስድራ ስዉኣት ንምድጋፍ ዝውዕል 1,800 ዩሮ ዘበርከቱዎ እዩ።

ኣብ ዞባ ደቡብ – ንኡስ ዞባ ዓዲ-ቐይሕ እውን፡ ሰራሕተኛታት ትካላት መንግስቲ፡ ስድራ-ስዉኣት ንምሕጋዝ ብዝወሰዱዎ ተበግሶ፡ 46 ሽሕ ናቕፋ ሓገዝ ኣበርኪቶም።

ኣብ ኣዳራሽ ከተማ ዓዲ-ቐይሕ ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት፡ ሓላፊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ናይቲ ንኡስ ዞባ፡ ኣቶ ኣሰፋው ቱርካይ፡ እቲ ገንዘብ፡ ኣብ ኩለን ምምሕዳራት ከባቢ ንዝርከባ ጽጉማት ስድራ ስዉኣት ከምእተዓደለ ገሊጹ።

Categories