“ሳዋ – ዕቱብ ምርጫ ንውሑስ መጻኢ” ብዝብል ቴማ፡ ብ2 ነሓሰ ብወግዒ ዝተኸፍተ ጽምብል ብሩራዊ ኢዮቤልዩ ምምስራት ሳዋን ምጅማር ሃገራዊ ኣገልግሎትን፡ 4 ነሓሰ ኣማስያኡ ተዛዚሙ።

ምክትል ኣዛዚ ማእከል ስልጠና ሃገራዊ ኣገልግሎት ሌተና ኮሎኔል ተመስገን ሳሙኤል ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ብተሳታፍነትን ተበላሓትነትን ልዕሊ 12 ሽሕ ሰልጠንትን ስነጥበባውያንን – ኣብ ምድላው መጻሕፍትን ጽሑፋትን፡ ባህላውን ስነ-ጥበባውን ስራሓት፡ ሰሚናራት፡ ስእላውን ስነ-ጥበባውን ምርኢት፡ ባነራትን ባንዴራታትን፡ ምርኢት ካርኒቫል፡ ወተሃደራዊ ምርኢትን ሰልፊ ሰራዊትን ኣጽዋርን፡ ከምኡ’ውን ሰነዳዊ ፊልምታትን ስፖርታዊ ውድድራትን ዝተሰላሳለ ንጥፈታት ብዝርዝር ድሕሪ ምግላጽ፡ ንድምቀት’ቲ ጽምብል ኣበርክቶ ንዝገበሩ ኩሎም ኣመስጊኑ።

ሚኒስተር ቱሪዝም ወይዘሮ ኣስካሉ መንቆርዮስ፡ እቲ ዝቐረበ መደባት፡ ሓያል ጸዓት ዝፈሰሶ፡ ንባህልን ጭውነትን ህዝቢ ኤርትራ መሊሱ ዘረጋገጸን ዝዀልዐን ምንባሩ፡ እቲ ጽምብል ድማ ከም መድረኽ ምውርራስን ምዅስኳስ ክብሪታትን ዕላማኡ ከምዝወቕዐ ኣረጋጊጻ።

ኣስዒባ፡ ኣባላት መበል 32 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎትን 10ይ ኮርስ ማሞስን፡ ኣብ ሓድሽ መድረኽ ምምራቖም ብዙሕ ዕድላት ተራሕዩሎም ከምዘሎ ብምጥቃስ፡ ዝቐሰሙዎ ትምህርቲን ሞያን ብተግባር ኣብ ልምዓት ሃገርን ምዕባለ ሕብረተሰቦምን ከውዕሉዎ ዘለዋ እምነት ገሊጻ።

ኣብ’ዚ – ምምራቕ ኣባላት መበል 32 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎትን 10ይ ኮርስ ማሞስን ዘጠቓለለ ድርብ ጽምብል፡ ካብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ዝመጹ ብኣሽሓት ዝቚጸሩ ዜጋታት ተሳቲፎም።

እቲ ንሰለስተ መዓልታት ዝቐጸለ ጽምብል፡ ንብቕዓት ናይቶም ሳዋ ኣብ ጒዕዞ 25 ዓመታት ዘፍረየቶም መንእሰያት ኣብ ኩሉ መዳያት መኸተን ልምዓትን ብዝምስክር ወተሃደራውን ስነ-ጥበባውን መሰናድኦታት፡ ከምኡ’ውን ንጉዕዞ ማእከል ህንጸት መንእሰያት ካብ ግዜ ሓርነታዊ ቃልሲ ብሓፈሻ፡ ምምስራት ማእከል ስልጠና ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ – ሳዋ ድማ ብፍላይ ዘንጸባርቕ ኤግዝቢሽን ዘጠቓለለ ነይሩ።

Categories