ብምኽንያት ብሩራዊ ኢዮበልዩ ምምስራት ሳዋን ምጅማር ሃገራዊ ኣገልግሎትን፡ ኣብ ዞባታት ደቡብ፡ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪን ዓንሰባን ክካየድ ዝጸንሐ ዝተፈላለየ መደባት ተዛዚሙ።

እቲ መደባት፡ ስነ-ጥበባዊ ምርኢታትን ውድድራትን፡ ምብጻሕ ናብ ታሪኻዊ ድፋዓት፡ ሰሚናራትን ካልእን ዘጠቓለለ ምንባሩ ተሓቢሩ።

ኣብ ዞባ ደቡብ፡ ብ25 ሓምለ ኣብ ከተማ መንደፈራ ኣብ ዝተገብረሉ ናይ መዛዘሚ ስነ-ስርዓት፡ ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ኣቶ ኤፍረም ገብረክርስቶስ፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ኣብ ዝሓለፈ ርብዒ ዘመን ብግብራዊ ስራሕ ዕላማኡ ዝወቕዐ ስትራተጂያዊ መደብ ምዃኑ ገሊጹ።

ኣብ ከተማ ባጽዕ ብ26 ሓምለ ኣብ ዝተኻየደ መዛዘሚ ስነ-ስርዓት ድማ፡ ኣመሓዳሪ’ቲ ዞባ ብሪጋደር ጀነራል ተኽለ ልብሱ፡ ሳዋ ዝመልመለቶም መንእሰያት፡ ልኡላውነት ሃገር ኣብ ምኽባር ዘርኣዩዎ ጅግንነት፡ ከምኡ’ውን ድልዱል መሰረት ምዕባለ ኣብ ምንጻፍ ዝዓመሙዎ መደባት፡ ውጽኢቱ ኣብ ባይታ ይርአ ከምዘሎ ገሊጹ።

ኣብ ዞባ ዓንሰባ እውን ብ27 ሓምለ ኣብ ዝተኻየደ – ብወተሃደራዊ ሰልፊ ዝተሰነየ ናይ መዛዘሚ መደብ፡ ኣመሓዳሪ’ቲ ዞባ ኣቶ ዓሊ ማሕሙድ፡ ውጽኢት ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ዝሓለፈ 25 ዓመታት ኣብ ኩሉመዳያት ጒሉሕ ምንባሩን ምህላዉን ኣስሚሩሉ።

Categories