ኣብ ንኡስ ዞባ ሰንዓፈ፡ ኣብ መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ዘጋጥሙ ጸገማት ንምፍታሕ፡ ውህደት ኩሎም ኣካላት መንግስትን መሻርኽትን ክዓዝዝ፡ መዘኻኸሪ ቀሪቡ።

ኣብ’ቲ መማህራንን ሱፐርቫይዘራትን ዝተሳተፍዎ ርክብ፡ ሓላፊ ኣብያተትምህርቲ ንኡስ ዞባ ሰንዓፈ መምህር በየነ ተስፋይ፡ ምሕያል ምሕደራ ኣብያተ-ትምህርቲ፡ ምውጋድ ምብኻን ግዜ፡ ምክትታል ተመሃሮ፡ ከምኡ’ውን ተራ ኮማዊ ተሳትፎ፡ ልዑል ኣተኲሮ ክወሃቦም ከምዝግባእ ኣገንዚቡ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ሰንዓፈ ኣቶ እድሪስ ዓሊ ሽከር ብወገኑ፡ ዝበለጸ ውጽኢት ንኽምዝገብ፡ መማህራን ኣርኣያ ክኾኑን ምስ ተመሃሮኦም ናይ ምብህሃል ሃዋሁው ክፈጥሩን ተላብዩ።

ኣብ ንኡስ ዞባ ሰንዓፈ፡ ንኣስታት 15 ሽሕ ተመሃሮ ኣገልግሎት ዝህባ 52 ኣብያተ-ትምህርቲ ኣለዋ።

Categories