ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ደቡብ፡ ብ23ን 24ን ሓምለ፡ ኣብ ከተማ መንደፈራ ገምጋም ዓመተትምህርቲ 2018/2019 ኣካዪዱ።

ኣብ’ቲ ሓለፍቲ ሚኒስትሪ ትምህርቲ፡ ዳይሬክተራትን ሱፐርቫይዘራትን ዝተረኽቡሉ ኣኼባ፡ ኣብ 12 ንኡሳን ዞባታት ዝተተግበረ መደባት ብመንጽር ዝነበረ ብልጫታትን ሕጽረታትን ቀሪቡን ተዘትዩሉን።

ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኣቶ ህብትዝጊ ኪዳነ፡ ሎሚ ዓመት ካብ መባእታ ክሳብ ካልኣይ ደረጃ ካብ ዝተመዝገቡ 191,961 ተመሃሮ፡ እቶም 12 ሚእታዊት ከምዘቋረጹ፡ 11 ሚእታዊት ከምዝተረፉ፡ 77 ሚእታዊት ድማ ከምዝሓለፉ ብምግላጽ፡ ጠንቂታት ምቁራጽ ተለልዮም ፍታሕ ክረኽቡ፡ ጻዕርታት ክሕይል ጸዊዑ።

ተሳተፍቲ፡ ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ዝኾኑ መጻሕፍቲ ዝውገኑሉ መንገዲ ክናደ፡ ሕጽረት መማህራን ፍታሕ ክናደየሉ፡ ጉዳይ ናውቲ ትምህርቲ ግምት ክወሃቦ፡ ቀጽሪ ዘይብለን ኣብያተ-ትምህርቲ ክህነጸለን ዝብሉን ካልኦትን ለበዋታት ኣቕሪቦም።

ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዞባ ደቡብ፡ ኣቶ ቃልኣብ ተስፋስላሰ፡ ክትግበር ኣብ ዝግብኦ ጉዳያት ሓበሬታታት ድሕሪ ምሃብ፡ ኣብ መማህራን ወፍሪ ክግበር፡ ርእሳነመማህራን ኣብ ምርግጋጽ ብቕዓት መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ኣበርክቶኦም ከዕዝዙ ተላብዩ።

ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ሓፈሻዊ ትምህርቲ፡ ኣቶ ሙሳ ሑሴን ናይብ፡ ዘጋጥሙ ዘለዉ ብድሆታት ብውሽጣዊ ዓቕሚ ክፍትሑ ከምዝኽእሉ ብምእማን፡ ኣብ መጽናዕቲ ዝተመርኰሰ ፍታሕ ክስራሓሉ፡ ምዕሩይ ምቕርሐ ጸጋታት ዓቕሚ-ሰብ ክካየድ ኣዘኻኺሩ።

ኣብ ዞባ ደቡብ፡ ካብ መዋእለህጻናት ክሳብ ካልኣይ ደረጃ ዝተዘርግሓ 545 ኣብያተ-ትምህርቲ ኣለዋ።

Categories