ኣብ ርሑቕ ገጠራት ዘሎ ሕጽረት ኣገልግሎት ጥዕና ንምቅላል፡ ኣብ’ቲ ዓውዲ ክነጥፉ ዝኽእሉ ኣጋር ሓካይም ንምፍራይ ይስራሓሉ ከምዘሎ፡ ብ25 ሓምለ ኣብ ባረንቱ ኣብ ዝተገብረ ስነስርዓት ምምራቕ ቀዳማይ ዙርያ ኣጋር ሓካይም ተገሊጹ።

ኣብ’ቲ ሚኒስተር ጥዕናን ኣመሓዳሪ ዞባ ጋሽ-ባርካን ዝተረኽቡሉ ስነ-ስርዓት፡ ዳይረክተር ቤት-ትምህርቲ ተሓጋገዝቲ ነርስ ባረንቱ፡ ኣቶ ቶማስ ዘርእማርያም፡ እቲ ናይ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ስልጠና – ብምውህሃድ ሚኒስትሪ ጥዕናን ዩኒሴፍን ከም እተወደበን፡ ካብ ርሑቕ ገጠር ዞባታት ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ዓንሰባን ጋሽ-ባርካን ዝተዋጽኡ 25 ወለንታውያን ኣጋር ሓካይም ከም እተሳተፍዎን ሓቢሩ።

ዕላማ’ቲ ስልጠና፡ ብሰንኪ ጂኦግራፊያዊ ኣቀማምጣን ራሕቂን ኣገልግሎት ጥዕና ብቐረባ ክረኽቡ ንዘይከኣሉ ክፋል ሕብረተ-ሰብ፡ ብመገዲ ኣጋር ሓካይም መባእታዊ ኣገልግሎት ከምዝረኽቡ ንምግባር ምዃኑ ዝጠቐሰ ኣብ ሚኒስትሪ ጥዕና ግዝያዊ ዋና ዳይረክተር ፖሊሲ፡ ውጥንን ምምዕባል ዓቕሚ-ሰብን ዶክተር ብርሃነ ደብሩ ብወገኑ፡ ኣብ መጻኢ ክልተ ተመሳሳሊ ናይ ስልጠና መደባት ተታሒዞም ከምዘሎ ገሊጹ።

ወኪል ዩኒሴፍ ሚስ ሻሂን ኒሎፈር፡ እቲ መደብ – ክሓውዩ ብዝኽእሉ ሕማማት ዝስዕብ መጠን ሞት ኣብ ምግታእ፡ ዝህልዎ ኣበርክቶ ብቐሊል ከምዘይግመት ሓቢራ።

ሚኒስተር ጥዕና ኣሚና ኑርሕሴን ድማ፡ ዝርጋሐ ትካላት ጥዕና ኣብ ኩሉ ከባቢታት ክሳብ ዝባጻሕ፡ ኣጋር ሓካይም ኣበርክቶኦም ከዕዝዙ ዘለዋ እምነት ገሊጻ።

Categories