ኣብ ዞባ ማእከል፡ ብምኽንያት ብሩራዊ ኢዮቤልዩ ምምስራት ሳዋን ምጅማር ሃገራዊ ኣግልግሎትን፡ ብ25ን 26ን ሓምለ፡ ኣብ ኣዋጅ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ኣገዳስነቱን ዘተኰረ ሰሚናራት ተኻዪዱ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል ሜጀር ጀነራል ሮሞዳን ዑስማን ኣውልያይን ኣቦ-መንበር ህግደፍ ዞባ ማእከል ኣቶ ዩሱፍ ሳይቕን፡ ኣብ ኣዳራሽ ዞባ ማእከል ንልዕሊ ሓደ ሽሕ ተሳተፍቲ ኣብ ዘካየድዎ ሰሚናር፡ ንዓለማዊ ተመኲሮ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ዕላማታት ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ኤርትራ፡ ከምኡ’ውን ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ሓድሽ መድረኽ ኣብ ዝብሉን ካልኦትን ኣርእስትታት ሰፊሕ መግለጺ ሂቦም።

ኣብ’ቲ መግለጺ፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ኤርትራ ክእወጅ እንከሎ፡ ልኡላውነት ንምዕቃብ፡ ባህሊን ክብሪታትን ህዝባዊ ግንባር ንምውራስ፡ ሓድነት ህዝቢ ንምዕቃብ፡ ዕቑር ሃብቲ ሃገር ብዝተወደበ ኣገባብ ኣብ ረብሓ ዜጋታት ንምውዓል፡ ከምኡ’ውን መደባት ህንጸት ሃገር ንምድንፋዕ ምንባሩ ክበርህ እንከሎ፡ ረብሓ ናይቲ ስትራተጂካዊ መደብ፡ ኣብ ምምካት ወራር ወያነ ብጒሉሕ ከምእተራእየ ተሓቢሩ።

እቶም ላዕለዎት ሰብ-መዚ ብተወሳኺ፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ’ዚ ሓድሽ ናይ ሰላም መድረኽ፡ ናብቲ ንቡር ንምምላሱ ይጽናዕ ከምዘሎ፡ እንተኾነ ግና ኣብ ሓደ ለይቲን መዓልትን ዝፍጸም ከምዘይኮነ ኣገንዚቦም።

ተሳተፍቲ፡ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ’ዚ 25 ዓመት ኣብ ኩሉ መዳያት ዝፈጸምዎ ጅግንነት ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ፍሉይ ምዕራፍ ዝሕዝ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ እዚ ሓድሽ መድረኽ ሰላም፡ ጻማኦም ዝረኽቡሉ ክኸውን ዘለዎም ሰናይ ምንዮት ገሊጾም።

Categories