ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ንኡስ ዞባ ሻምብቆ ዝተሃንጸ ትካላት ማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ ነዊሕ ግዜ ንኸገልግል፡ ኣካላት መንግስቲ ብሓፈሻ ኣመሓደርቲ ድማ ብፍላይ፡ ምስ ነበርቲ ተወሃሂዶም ውሕስነቱ ከረጋግጹ፡ ምምሕዳር’ቲ ንኡስ ዞባ ኣተሓሳሲቡ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ሻምብቆ፡ ኣቶ ካሕሳይ ኣስራት፡ ምትእትታው ኮም ዝመርሖ ከባቢያዊ ጽሬት ኣብ ኩለን ዓድታት፡ ምዕቃብ ሓመድን ማይን፡ ምጽጋን ጽርግያታት፡ ከምኡ’ውን ምርጫ ኣመሓደርቲ ከባቢታት ካብቶም ብዓወት ዝተተግበሩ መደባት ምዃኖም ገሊጹ።

ኣብ ዝበዝሓ ዓድታት ዝተሃንጻ ትካላት ዝስተ ማይ፡ ብሰንኪ ጉድለት ኣተሓሕዛን ኣጠቓቕማን ይበላሸዋ ብምህላወን፡ ህዝቢ ቀጻልነተን ብዘውሕስ ኣገባብ ክጥቀመለን ምእንቲ፡ ዕቱብ ምክትታል ክግበር፡ ዝተረፈ መደባት ልምዓት ንምትግባር እውን ብውህደት ክስራሕ ጸዊዑ።

ኣብ መወዳእታ፡ ንጥፈታት ምዕቃብ ሓመድን ማይን ብዝለዓለ ክድፋኣሉ፡ ዘይምኽኑይ ናህሪ ዋጋታትን ታሪፍ መጓዓዝያን ዕቱብ ምቁጽጻር ክግበረሉ፡ ግብርን ቀረጽን ብግቡእ ክእከብ፡ ዝብሉን ካልኦትን ርኢቶታትን ሓሳባትን ቀሪቦም።

Categories