ኣብ ከተማ ድባርዋ፡ ብ22 ሓምለ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ-ቐትሪ ዝሃረመ ብርቱዕ ዝናብ፡ ኣብ መንበሪ ኣባይቲ፡ ትካላትን ሕርሻን ጉድኣት ኣውሪዱ።

በቲ ብርቱዕ ንፋስ ዝተሓወሶ ዝናብ፡ ኣብ ምምሕዳር ከባቢ መረብ፡ ዚንጎታት መንበሪ ኣባይቲን ትካላትን ክቕንጠጥ እንከሎ፡ ናይ ኣሕምልቲ ጀራዲንን ሕርሻ ኣእካልን ብውሕጅ ተደምሲሱ።

ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ምስላም እውን፡ ኣብ መንበሪ ኣባይትን ትካላትን ተመሳሳሊ ጉድኣት ከጋጥም እንከሎ፡ ኣግራብ ካብ ሱሮም ተማሕዮም ከምዝወደቑ፡ ገለ መስመራት ኤለክትሪክ ድማ ከም እተበላሸዉ ተሓቢሩ።

ኣብ ተመሳሰሊ ዕለት፡ ኣብ ዓዲክብሎ ኣብ ኣባይቲ ጉድኣት ክወርድ እንከሎ፡ ብ19 ሓምለ ድማ፡ ኣብ እምኒጸሊም ዘራእቲ ብውሕጅ ተደምሲሱ።

Categories