መደባት ጽምብል ብሩራዊ ኢዮቤልዩ ምምስራት ሳዋን ምጅማር ሃገራዊ ኣገልግሎትን፡ ብደረጃ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ካብ 23 ሓምለ ጀሚሩ ብውዕዉዕ ሃዋህው ይካየድ ኣሎ።

ኣብ’ቲ “ሳዋ – ዕቱብ ምርጫ ንውሑስ መጻኢ” ብዝብል ቴማ ዝጽምበል ዘሎ ኣጋጣሚ፡ ምርኢት ኤግዝቢሽን፡ ሓባራዊ ጉያ፡ ውድድራት ሓፈሻዊ ፍልጠት፡ መደባት ስነ-ጽሑፍ፡ ስፖርታዊ ግጥማት፡ ክትዕን ካልእ ንጥፈታትን ብድምቀት ይካየድ ከምዘሎ፡ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።

ብዘይካ’ዚ፡ መንእሰያትን ምክልኻልን ድሕነትን ሃገር፡ ተራን ኣበርክቶን ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ህንጸትን ልምዓትን፡ ድሕረ-ባይታን ኣበርክቶን ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ከምኡ’ውን ሳዋ – ትእምርቲ ጽንዓት መንእሰያት ኤርትራ፡ ዝብሉ ዛዕባታት ዝሓዘ ወረቓቕቲ ቀሪቡ ዘተ ተኻዪዱሉ።

Categories