ፈስቲቫል ኤርትራውያን ነበርቲ ሃገራት ስካንዲናቪያ፡ ክብርታት ኤርትራውነት ኣብ ዝበረኸሉን ሰዓርነቱ ኣብ ዝተረጋገጸሉን መድረኽ፡ “ጽንዓት ብጽንዓት ንልምዓት!” ብዝብል ቴማ፡ ብውዕዉዕ ሃገራዊ ወኒን ቅሩብነት ንሃገራዊ ልምዓትን፡ ብ25 ሓምለ ኣብ ከተማ ስቶክሆልም፡ ብኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብ ተኸፊቱ።

ኣብ’ቲ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ስካንዲናቭያን ከተማታት ሽወደንን ዝመጹ ሓያሎ ዜጋታትን መሓዙት ኤርትራን ዝተረኽቡሉ ድሙቕ ስነ-ስርዓት፡ ኣቦ-መንበር ኣወሃሃዲት ሽማግለ በዓላት ኣቶ ኣለም ተኽለጊዮርጊስ፡ መበል 21 ዓመት ፈስቲቫል፡ ኣብ እዋን ዝኽሪ ቀዳማይ ዓመት ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ቅንያት ብሩራዊ ኢዮቤልዩ ምምስራት ሳዋን ምጅማር ሃገራዊ ኣገልግሎትን ይካይድ ምህላዉ፡ ፍሉይ ትርጉም ከምዝህብ ገሊጹ።

ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሃገራት ስካንዲናቪያ፡ ኣቶ ዮናስ ማና ብወገኑ፡ ፈስቲቫል ኤርትራ – ቀጻልነቱ ጥራይ ዘይኮነ፡ መመሊሱ ብትሕዝቶኡን ተሳታፍነቱን እናማዕበለን እናማዕረገን ምምጽኡ፡ ረዚን ናይ መኸተ መልእኽቲ ከምዘመሓላልፍ ኣገንዚቡ። ኣበርክቶ ንዝገበሩ ኩሎም ድማ ኣመስጊኑ።

ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣብ ዳሳት ኩለን ዞባታት፡ ማሕበራትን ከተማታትን ዑደት ድሕሪ ምክያድ፡ ህይወትን መነባብሮን ተጋደልቲ ንዝገልጽ ምርኢት መሪቑ ከፊቱዎ።

ነቲ ብዝተፈላለየ መደባት ክሳብ ጽባሕ 28 ሓምለ ዝቕጽል ፈስቲቫል፡ ካብ ኤርትራ ዝኸደት ጉጅለ ባህሊ ዋልታን፡ ካብ ኤውሮጳ ዝተዋጽአት ጉጅለ ባህሊ ኣለናልኪን፡ ድምቀት ሂበናኦ ኣለዋ።

Categories