“ዕቱብ ምርጫ ንውሑስ መጻኢ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ንዝጽምበል መበል 25 ዓመት ምምስራት ሳዋን ምጅማር ሃገራዊ ኣገልግሎትን ምኽንያት ብምግባር፡ ኣብ ከተማ ዓሰብ፡ ኣብ ዝሓለፈ 31 ዙርያታት ንዝተሳተፉ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ሰሚናር ተኻዪዱ።

ኣብ’ቲ፡ “ሃገራዊ ኣገልግሎት ንሃገራዊ ህንጸትን ውሕስነትን” ብዝብል ኣርእስቲ ዝተኻየደ ሰሚናር፡ ንዕላማ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ኤርትራ፡ ተመኵሮታቱን ረብሓታቱን፡ ከምኡ’ውን ንሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ሓድሽ መድረኽ፡ ዝምልከት ሰፊሕ መብርሂ ተዋሂቡ።

ብኣዋጅ ቊጽሪ 82/1994 ዝፍለጥ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ኤርትራ፡ ህላወ ናጻን ልኣላዊትን ኤርትራ ምርግጋጽ ዘኽእል – ህዝባዊ መሰረት ዘለዎ ድልዱል ሓይሊ ምቛም፡ ባህሊ ሰውራ ኤርትራ ምዕቃብ፡ ፈተውቲ ስራሕን ብዲስፕሊን ዝተሃንጹን ዜጋታት ምፍራይ፡ ሓድነትን ሃገራውነትን ብምዅስኳስ ውሁድ ሱታፌ ምርግጋጽ ዝዓለመ ምዃኑ ተሓቢሩ።

ኤርትራዊ መንእሰይ፡ ኣብ’ዘን ዝሓለፋ ናይ ናጽነት ዓመታት፡ ቈራጽነትን ባህሊ ጅግንነትን ቀዳሞት ወለዶ ወሪሱ፡ ልኡላውነት ሃገሩ ኣብ ምውሓስን ባይታ ምዕባለን ብልጽግናን ኣብ ምንጻፍን፡ ዘሐብን ታሪኽ ከምዝሰርሐ ብዝርዝር በሪሁ።

Categories