ሰራሕተኛታት ዓንበርበብ ሼር ካምፓኒ፡ ብዝትካእ ደም ዘይትትካእ ህይወት ንምድሓን፡ ብ19 ሓምለ ወለንታዊ ልግሲ ደም ኣካዪዶም።

ልግሲ ደም ሕልናዊ ተበግሶ ዘድልዮ፡ ሓላፍነት ናይ ነፍሲ-ወከፍ ዜጋ ምዃኑ ዘዘኻኸሩ’ቶም ሰራሕተኛታት፡ ካብ ምድሓን ህይወት ዝዓቢ ሰናይ ተግባር ስለዘየለ፡ ወለንታዊ ልግሲ ደም ክዓዝዝ ተላብዮም።

ወኪል’ቲ ኩባንያ ኣቶ ጸጋይ ዓንደብርሃን፡ ትሕዝቶ ባንክ ደም ብወለንታዊ ልግሲ ስለዝስስን፡ ካልኦት ትካላት ተመሳሳሊ ስጒምቲ ክወስዳ ጸዊዑ።

ኣብ ቀዳሞት 6 ኣዋርሕ ናይ’ዚ ዓመት፡ 4780 ሽሕ ከረጺት ደም – ማለት 2,581 ሊትሮ ከምእተኣከበ፡ ካብ ሃገራዊ ባንክ ደም ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ።

Categories