ቀዳማይ ሚኒስተር ፈደረላዊት ዴሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ፡ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ኣብ ኤርትራ ዝገበሮ ናይ ክልተ መዓልታት ናይ ስራሕ ምብጻሕ ፈጺሙ፡ ትማሊ ኣብ ሰዓታት ቅድሚ-ቐትሪ ናብ ሃገሩ ተፋንዩ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይን፡ ኣብ ምምዕባል ክልተኣዊ ዝምድናን ምትሕግጋዝን፡ ከምኡ’ውን ሓባራዊ ኣገዳስነት ኣብ ዘለዎ ዞባዊ ምዕባለታትን ካልእ ጉዳያትን ኣብ ዝገበሩዎ ዘተ፡ ሰላም ንምዕባለን ብልጽግናን ክልቲአን ሃገራትን ህዝብታተንን፡ ከምኡ’ውን ንርግኣትን ምትሕግጋዝን ዞባና ኣገዳሲ ምዃኑ ብምእማን፡ ተጀሚሩ ንዘሎ ናይ ሰላምን ምሕዝነትን መንፈስ ክቕጽሉዎ፡ ከዕብዩዎን ከደልድሉዎን ተሰማሚዖም።

ክልቲኦም መራሕቲ ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ መስመር ነፋሲት-ደቀምሓረ ንዝሰላሰል ዘሎ ጽርግያ ናይ ምስፋሕን ህንጻ ቢንቶታትን ንጥፈታት ተዓዚቦም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ብ18 ሓምለ ኣብ ሰዓታት ቅድሚ-ቐትሪ ኣስመራ ኣብ ዝኣተወሉ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብናይ ክብሪ ሰልፊ ተቐቢሉዎ።

Categories