ቀዳማይ ሚኒስተር ፈደራላዊት ዴሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ፡ ዶ/ር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ናይ ክልተ መዓልታት ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንምፍጻም፡ ትማሊ ሰዓት 10፡15 ቅድሚ-ቐትሪ ኣስመራ ኣትዩ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ድማ፡ ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ተረኺቡ፡ ብናይ ክብሪ ሰልፊ ተቐቢሉዎ።

ኣብ’ቲ ናይ ምቕባል ስነ-ስርዓት፡ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብን ኣምባሳደር ፈደራላዊት ዴሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ኣቶ ሬድዋን ሑሴንን ተረኺቦም ነይሮም።

ፕረዚደንት ኢሳይያስን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይን፡ ኣብ ሰዓታት ድሕሪቐትሪ ኣብ ኣዳራሽ ሃገር ኣብ ዝገበሩዎ ርክብ፡ ኣብ ምምዕባል ክልተኣዊ ዝምድናን ምትሕግጋዝን፡ ከምኡ’ውን ሓባራዊ ኣገዳስነት ኣብ ዘለዎ ዞባዊ ምዕባለታትን ካልእ ጉዳያትን ዘትዮም።

ኣቶ የማነ ገብረኣብ ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ክልቲኦም መራሕቲ – ሓደ ዓመት ድሕሪ’ቲ ታሪኻዊ ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን ዳግማይ ኣብ ኣስመራ ብምርኻብ፡ ሰላም ንምዕባለን ብልጽግናን ክልቲአን ሃገራትን ህዝብታተንን፡ ከምኡ’ውን ንርግኣትን ምትሕግጋዝን ዞባና ኣገዳሲ ምዃኑ ብምእማን፡ ተጀሚሩ ብዘሎ ናይ ሰላምን ምሕዝነትን መንፈስን፡ ሓያል ድሌት ክልቲኡ ህዝብታትን፡ ነዚ ናይ ሰላም ጒዕዞ ክቕጽሉዎ፡ ከዕብዩዎን ከደልድሉዎን፡ ኣብ ክልቲአን ሃገራት ጥራይ ከይተሓጽረ ድማ፡ ብደረጃ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንኽሰፍሕ ዝደፍእ ብምዃኑ፡ ተወፋይነቶም እንደገና ከምዘረጋገጹ ኣነጺሩ።

ሚኒስተር ፋይናንስ ፈደራላዊት ዴሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ፡ ኣቶ ኣሕመድ ሽደ ብወገኑ፡ ክልቲኦም መንግስታት ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ሓድሽ ምዕራፍ ዝኸፈተን ብዓለም ደረጃ ኣድናቖትን ደገፍን ዝረኸበን፡ ናይ ህዝቦም ናይ ሰላም ድሌት ማእከል ዝገበረ ስምምዕ ሰላም ምኽታሞም ብምዝካር፡ ነዚ ስምምዕ’ዚ ንምድንፋዕ፡ ኣብ ዲፕሎማሲ፡ መጐዓዝያን መራኸቢታትን፡ ከምኡ’ውን ልምዓታውን ቁጠባውን ንጥፈታት፡ ብቐንዱ ድማ ኣብ ምምዕባል ወደባትን መሬታዊ መራኸቢ መስመራትን፡ ንዝተጀማመረ ስርሓት ብዝሓየለ ንምቕጻሉ ኣብ ምርድዳእ ከምእተበጽሐ ገሊጹ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይን ብዘይካ’ዚ፡ ብሰብ-መዚ ክልቲአን ሃገራት ተሰንዮም፡ ኣብ ቀንዲ ጐደናታት ኣስመራ ብእግሪ ተጓዒዞም፡ መንበሪ ቤት ፕረዚደንት ኢሳይያስ በጺሖም፡ ከምኡ’ውን ንክብሮም ኣብ ከባቢ ‘ሰይ-ድሺ’ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ቡን ስነስርዓት ተሳቲፎምን በለስ ተቛዲሶምን።

ካብ ጸሊም ጽርግያ ‘ሰይ-ድሺ’ ንሸነኽ ምብራቕ ኣብ ዝርከብ ኣጻድፍ ዑደት ኣብ ዝገበሩሉ ድማ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ብዛዕባ ማሕበረ-ቊጠባዊን ቱሪዝማዊን ኣገዳስነት ናይ’ቲ ከባቢ፡ ንቐዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ መብርሂ ሂቡዎ።

ብድሕሪ’ዚ፡ ኣብ’ቲ ከባቢ ብዛዕባ ዝሰላሰል ዘሎ ብቐንዱ ኣብ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ዘተኰረ ሕርሻዊ ንጥፈታት፡ ምስ ኣልማዕቲ ድሕሪ ምዝርራብ፡ ኣብ መስመር ነፋሲት – ደቀምሓረ ንዝሰላሰል ዘሎ ምስፋሕ ጽርግያን ምስራሕ ቢንቶታትን ተዓዚቦም።

ሚኒስተር ፋይናንስ ኣቶ ኣሕመድ ሽደ፡ ዳይረክተር ቤት-ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ዶክተር ሹመተ ግዛውን ዋና ኣካያዲ ስራሕ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣቶ ተወልደ ገብረማርያምን፡ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ሓቢሮም መጺኦም ኣለዉ።

ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ብ9 ሓምለ 2018፡ ብ5 ዓንድታት ዝቘመ ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን ከምዝኸተማ ይዝከር።

Categories