ቤት-ጽሕፈት ጠቕላሊ ኦዲተር ኤርትራ፡ ከም መቐጸልታ ናይቲ ብቕዓትን ዓቕምን ኣባላቱ ክብ ንምባል በብእዋኑ ክውድቦ ዝጸንሐ ስልጠናታት፡ ን35 ኣባላቱ ኣብ ብቕዓት ስራሕ፡ ምቊጽጻር ገንዘብን ዓይነት ኦዲትን ዘተኰረ ሰለስተ ስልጠናታት፡ ካብ 15 ክሳብ 19 ሓምለ ኣብ ኣስመራ ሂቡ።

እቲ ካብ ዞባዊ ኣፍሪቃዊ ማሕበር ኣብያተ-ጽሕፈት ጠቕላሊ ኦዲተር ማለት ‘ኣፍሮሳኢ’ን ካብ ቤት-ጽሕፈት ጠቕላሊ ኦዲተር ኬንያን ብዝመጹ ሽዱሽተ ክኢላታት ዝተዋህበ ስልጠና፡ ካብቶም ኣቐዲሞም ዝተዋህቡ ስልጠናታት ብዓይነቱ ፍሉይ ምዃኑ ተገሊጹ።

ኣብ ቤት-ጽሕፈት ጠቕላሊ ኦዲተር ኤርትራ ዳይረክተር ኦዲት ቴክኖሎጂ ሓበሬታ ኣቶ ኣማኑኤል ኢሳቕ፡ ብዛዕባ ዕላማ’ቲ ስልጠና ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣቐዲሙ ንብቕዓት ኣሰራርሓ፡ ፋይናንስን ካልእን ኣጣሚሩ ዝኸይድ ዝነበረ ኣገባብ፡ ነጻጺልካ ጸብጻብ ከተቕርብ ዝሕግዝ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ዓለምለኻዊ ኣሰራርሓ ንምኽታል ዝሕግዝን ንሰልጠንቲ ሰፊሕ ፍልጠት ዘቕስምን ከምዝኾነ ኣገንዚቡ።

ነቲ ስልጠና ካብ ዝሃቡ ክኢላታት፡ ኣብ ዞባዊ ኣፍሪቃዊ ማሕበር ኣብያተጽሕፈት ጠቕላሊ ኦዲተር፡ ኣካያዲ ስራሕ ኣተገባብራ ኦዲት ሚስተር ጆሽዋ ኣሲምወ ብወገኑ፡ ቤት-ጽሕፈት ጠቕላሊ ኦዲተር ኤርትራ ካብቶም ብደረጃ ኣህጉር ጽፉፍ ስርሓት ዘሰላሰሉ ኣብያተጽሕፈት ኦዲት ሓደ ከምዝኾነ ብምሕባር፡ ሰልጠንቲ ብዝቐሰምዎ ፍልጠት ዝያዳ ኣድማዒ ስራሕ ክዓሙ ዘለዎ ጽኑዕ እምነት ገሊጹ።

ሰልጠንቲ ብወገኖም፡ ዝተዋህቦም ትምህርቲ ኣብ ሓደ ኣርእስቲ ዝያዳ ኣተኲሮ ሂብካ ኣብ ምስራሕን ግዜ ኣብ ምቚጣብን ሓጋዚ ኮይኑ ከምዝረኸብዎ ብምሕባር፡ ብምኩራት ኣሰልጠንቲ ስለእተዋህበ ድማ ዝያዳ ብልጫ ከምዘለዎ ኣብሪሆም።

ጠቕላሊ ኦዲተር ኣቶ ገረዝጊሄር ገብረመድህን ኣብ ዘስመዖ መዛዘሚ ቃል፡ ሰልጠንቲ ነዚ ባይታ ተጠቒሞም ፍልጠቶም ብምስፋሕ፡ ኣድማዕነት ዘሰላስልዎ ዕማም ንምውርጻጽ ክሰርሑ ተላብዩ።

Categories