ብምኽንያት ዝኽሪ ብሩራዊ ኢዮቤልዩ ምምስራት ሳዋን ምጅማር ሃገራዊ ኣገልግሎትን፡ ንጉዕዞ 25 ዓመታት ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝድህስስ ሰሚናራት፡ ኣብ 16 ንኡሳን ዞባታት ጋሽ-ባርካ ተቓኒዑ።

እቲ ብላዕለዎት ሓለፍቲ ምምሕዳር ዞባ ጋሽ-ባርካ ዝተኻየደን ኣስታት 16 ሽሕ ህዝቢ፡ ዝተሳተፎን ሰሚናራት፡ ዓለምለኻዊ ጠመተ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ኣዋጅ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ዕላማኡን፡ ጉዳይ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ሓድሽ መድረኽ ኣብ ዝብሉን ካልኦትን ዓበይቲ ኣርእስትታት ተኸፋፊሉ እዩ ቀሪቡ።

ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ 1994 ክእወጅ እንከሎ፡ ክብሪታት ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንተረካቢ ወለዶ ንምውራስ፡ ብድስፕሊን ዝተሃንጸ – ፈታው ስራሕ፡ ንዕብየት ሃገርን ሕብረተሰብን ዝተግህ – ዝተወደበ ሓድሽ ትውልዲ ብምዅስኳስ ቊጠባ ሃገር ንምምዕባልን ምሕያልን፡ ሃገራዊ ሓድነት ንምድልዳልን ውህደት ህዝቢ ንምዕዛዝን ዝዓለመ ከምዝኾነ ብሰፊሑ በሪሁ።

ኣብ ምዕቃብ ልኡላውነትን መደባት ልምዓትን ዝተራእየ ቈራጽነት መንእሰያት፡ ጭቡጥ መርኣያ ውጽኢት መደብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ምዃኑ ክግለጽ እንከሎ፡ ኣብ ጉዳይ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ሓድሽ መድረኽ እውን ሰፊሕ መብርሂ ቀሪቡ።

Categories