ኤርትራውያን ነበርቲ እስራኤል፡ ብ13 ሓምለ ኣብ ቴልኣቪቭ ኣብ ዘካየዱዎ ሰሚናር፡ ውዳበታቶም ብምሕያል ኣበርክቶኦም ኣብ ዳግመህንጻ ሃገር ከዕብዩ ዘለዎም ቅሩብነት ደጊሞም ኣረጋጊጾም።

ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ እስራኤል፡ ኣቶ ሰለሙን ክንፈ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ቃልሲ ንናጽነት ዘዐወተ ጽንዓትን ተወፋይነትን፡ ኣብ ምውሓስ ልኡላውነትን ምምካት ዝሰዓበ ቅሉዕ ተጻብኦታትን ተኣምር ከምዝደገመ ብምዝካር፡ እዚ ኤርትራዊ ክብሪታት’ዚ ኣብ መደባት ልምዓት ብሓፈሻ፡ ኣብ’ዚ ተኣትዩ ዘሎ ትስፉው መድረኽ ሰላም ድማ ብፍላይ – ተራኡ ዕዙዝ ምዃኑ ገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ 10 ዓመታት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝጸንዐ ዘይፍትሓዊ እገዳ፡ ብሓያል ኤርትራዊ ንቕሓት፡ ውዳበን ናይ መኸተ መንፈስን ከምዝፈሸለ ብምሕባር ድማ፡ ኣብ’ቲ እዋን ዝተዀልፈ ዕድላትን ዝወረደ ክሳራታትን ንምሕዋይ – ምስራሕ፡ ግቡእን ሓላፍነትን ናይ ነፍሲ-ወከፍ ዜጋ ከምዝኾነ ኣዘኻኺሩ።

ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ሃገርን ዞባዊ ምዕባለታትን፡ ኣቶ ሰለሙን፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተኸተመ ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝፈጠሮ እወታዊ ጽልዋ፡ ዝርአ ዘሎ ምዕባለታት፡ ዘላቒን ኣተኣማማንን ንክኸውን ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪን ገስጋሱን ኣብሪሁ።

ተሳተፍቲ፡ መብርሂ ዝደለዩሎም ሕቶታት ከምኡ’ውን ርእይቶታት ድሕሪ ምቕራብ፡ ኩሉ-መዳያዊ ልምዓት ሃገር ንምድንፋዕ፡ ከም ወትሩ ድሉዋት ምህላዎም ኣረጋጊጾም።

Categories