ኣመሓዳሪ ዞባ ዓንሰባ ኣቶ ዓሊ ማሕሙድ፡ ብ14 ሓምለ ምስ ነበርቲ ምምሕዳር ከባቢ ዋስደንባ – ንኡስ ዞባ ዒላ-በርዕድ፡ ኣብ ትግባረ መደባት ልምዓትን ኮማዊ ተሳትፎን ዘትዩ።

ኣቶ ዓሊ ማሕሙድ፡ ህዝቢ ኣብ መደባት ልምዓት ንዘርእዮ ዘሎ ተሳትፎ ድሕሪ ምምጓስ፡ ሓረስቶት ዘራእቶም ክሳብ ኣብ ቆፎኡ ዝኣቱ ግቡእ ምክትታል ክገብሩ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ጥሪት፡ ኣግራብን እንስሳ ዘገዳምን ዘለዎም እወታዊ ኣረኣእያ ብዝለዓለ ክቕጽሉዎ ኣዘኻኺሩ።

እቶም ነበርቲ፡ ዝተዋደደሎም ኣገልግሎታት ትምህርቲ፡ ጽርግያ፡ ማይን መራኸቢታትን እፎይታ ከምዝፈጠረሎም ብምርግጋጽ፡ ንምዕቃቡን ምምዕባሉን ተራኦም ከዕዝዙ ምዃኖም ገሊጾም።

ንጥሪትን ሕርሻዊ ልምዓትን ዘገልግል ዲጋታት ክስራሓሎም፡ ኣገልግሎታት ሕክምናን ኤለክትሪክን እውን ቈላሕታ ክወሃቦ ድማ ተላብዮም።

ካብ ዒላበርዕድ ኣስታት 20 ኪሎ-ሜተር ንሸነኽ ደቡባዊ ምዕራብ እትርከብ ምምሕዳር ከባቢ ዋስደንባ፡ ኣስታት 1300 ነበርቲ ኣለዉዋ።

Categories