ኣብ ዓሰብ ኣብ ዝተፈላለያ ትካላት ዝተመደቡ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ብምኽንያት ጽምበል ብሩራዊ ኢዮቤልዩ ምምስራት ሳዋን ምጅማር ሃገራዊ ኣገልግሎትን፡ ኣብ ድፋዓት ዱሕቱም ዑደት ኣካዪዶም።

እቲ ዑደት፡ ኣብ እዋን ሳልሳይ ወራር ወያነ 2000 ዓ.ም፡ ብኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝተፈጸመ ቅያን ጅግንነትን ንምፍላጥን ሕድሮም ንምርካብን ኮይኑ፡ ኣብ ምፍሻል’ቲ ወራር ብዝተሳተፉ መብርሂ ተዋሂቡ።

ኣብ’ቲ እዋን፡ ኣብ’ቲ ቦታ ዓሪደን ካብ ዝነበራ ኣሃዱታት ሓይልታት ምክልኻል፡ 90 ሚእታዊት ብሳዋ ዝሓለፉ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ከምዝነበሩ፡ ኣብ’ቲ ዝኾነ ከውሊ ዘይርከቦ ቅርጺ መሬትን ከቢድ ክሊማን ዘርኣዩዎ ጽንዓትን ተወፋይነትን ድማ፡ ንተካኢ ወለዶ ታሪኻዊ ቅርሲ ምዃኑ ተሓቢሩ።

ዑደተኛታት፡ ነቲ ወራሪ ሓይሊ ንምዕጋትን ንምድምሳስን ዝተኻየደ ቃልሲ ከቢድን ጽንኩርን ምንባሩ ዝገልጽ ህያው ኣሰር ክዕዘቡን፡ ህላወ ሃገራዊ ኣገልግሎት ምስ ህላወ ሃገር ጥቡቕ ምትእስሳር ከምዘለዎ ክግንዘቡን ከምዝኸኣሉ ሓቢሮም።

ጽምብል ብሩራዊ ኢዮቤልዩ ምጅማር ሃገራዊ ኣገልግሎትን ምምስራት ሳዋን፡ ብደረጃ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ካብ 18 ክሳብ 21 ሓምለ ብዝተፈላለየ መሰናድኦታት ከምዝበዓል ተፈሊጡ።

እቲ፡ “ዕቱብ ምርጫ ንውሑስ መጻኢ” ብዝብል ቴማ ዝካየድ ጽምበል፡ ብደረጃ ሃገር ካብ 1 ክሳብ 4 ነሓሰ እዩ ኣብ ሳዋ ክካየድ።

Categories