ኣብ ንኡስ ዞባ ሻምብቆ፡ ነበርቲ ምምሕዳራት ከባቢ ብሹኳ፡ ሓውሲ ከተማ ሻምብቆን ቢንቢናን፡ ኣብቲ ከባቢ ምስ ዝርከቡ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ተወሃሂዶም፡ ኣብ መስመር ሻምብቆ-ባረንቱ ወፈራዊ ስራሕ ኣሰላሲሎም።

ዕላማ’ቲ ማእቶት፡ ንተሽከርከርቲ ኣጸጋሚ ዝኾነ ቦታታት ብምትዕርራይ፡ ቀጻልነት ኣገልግሎት መጐዓዝያ ንምውሓስ ከምዝኾነ፡ ኣለይትን ተሳተፍትን ናይ’ቲ መደብ ገሊጾም።

ኣብ’ቲ ስራሕ፡ ልዕሊ 2 ሽሕ ጉልበት ሰብ ከምእተሳተፈን 15 ኪሎ-ሜትር ዝንውሓቱ ክፋል ናይቲ ጽርግያ ከምእተጸገነን ተፈሊጡ።

እቶም ነበርቲ፡ እቲ መስመር ብጉልበት ሰብ ጥራይ ዝጽገን ብዘይምዃኑ፡ ናይ ማሽነሪ ሓገዝ ክግበረሎም ሓቲቶም ኣለዉ።

Categories